ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ተቓውሞ ስልፊ ኣካይደን


ተቓውሞ ስልፊ ደቂ ኣንስትዮ
ተቓውሞ ስልፊ ደቂ ኣንስትዮ

ዶናልድ ትራምፕ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ድሕሪ ምምራፆም ስጉምቲ ክውሰድ ብሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዝተጀመረ ፃውዒት እናተበራርበረ ድሕሪ ምፅናሕ ንፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ዘተኣኻኸበ ሰልፊ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ፕረዝዳንታዊ ፅንብል ቃለ መሓላ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ተኻይዱ።

ንሓድሽ ፕረዝዳንት ድምፆፀን ንምስማዕ ናሽናል ሞል ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ሃገራዊ ኣደባባይን ኣብ ዙሪያ ዓለምን ሰልፊ ተቓውሞ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ’ሎ።

መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመፁ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ጭደራን ጭርሖታትን ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍፃሞም ድሕሪ 24 ሰዓታት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕቲዮም እቶም ሓድሽ ፕረዝዳንት ንክብርታቶምን ንራእይ ኣሜሪካን ኣፍልጦ ክህቡ ንምፅዋዕ እዩ።

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ካልኦት እውን ኣብ ካልኦት ዓበይትን ናእሽቱን ከተማታት እታ ሃገር ተሰሊፎም እዮም።

ኣብቲ ሰልፊ ንዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብምውካል ኣንፃር ዶናልድ ትራምፕ ተወዳዲረን ዝተስዓራ ሂላሪ ክልንተን፣ ከምኡ እውን ካልኦት ፖለቲከኛታት፣ከየንቲን ሙዚቀተኛታትን ተረኺበን እየን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ተቓውሞ ስልፊ ኣካይደን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:02 0:00

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ተቓውሞ ስልፊ ኣካይደን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:56 0:00

XS
SM
MD
LG