ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ መጥቓዕቲ ሚሳይል ፈፂማ


ሰራዊት ዩናይትድ ስቴትስ ሎሚ ዓርቢ ወጋሕታ ሓይልታት ፕሬዝዳንት በሽር ኣል-ኣሳድ ፈፂሞሞ ንዝተብሃለን ኣስታት 100 ሰላማዊን ሰባት ዝቐተለን ከሚካላዊ መጥቓዕቲ ሕነ ኣብ ልዕሊ ሓደ መደብር ሓይሊ ኣየር መንግስቲ ሶሪያ መጥቓዕትታት ሚሳይል ፈፂሙ።እዚ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ሶሪያ ብዩናይትድ ስቴትስ ዝተፈፀመ ፈላማይ ቀጥታዊ መጥቓዕቲ እዩ።

ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ መጥቓዕቲ ክሩዝ ሚሳይል ምእዛዞም ኣባላት ሰኔት ክልቲኦም ፓርትታት ሓያል ደግፎም ገሊፆም።ገለ ኣባላት ክኣ ቀዲሞም ናይ ኮንግረስ ፍቓድ ኣይሓተቱን ክብሉ ሻቖለቶም ገሊፆም ኣለው።

ቀንዲ መሻርኽቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾና ሃገራት ዓረብ፣ስዑዲ ዓረብ፣ዓረብ ኤምሬትስን ኳታርን ነቲ መጥቓዕቲ ደገፈን ገሊፀን ከም ኢራን፣ዒራቕን ኣልጀሪያን ዝበላ ሃገራት ከኣ ነቲ መጥቓዕቲ ኣውጊዘንኦ ኣለዋ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00

XS
SM
MD
LG