ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ሕጹያት ቀዳማይ ዙር ክትዕ ትማሊ ተኻይዱ


ናይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ሕጽይቲ ሂላሪ ክሊንተንን ናይ ረፖብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕን ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ብቴሌቭዥን ብቐጥታ ዝተኸታተሉዎ ፈላማይ ውዑይ ክትዕ ትማሊ ምሸት ሶኑይ ኣካይዶም።ኣብቲ 90 ደቓይቕ ዝወሰደ ክትዖም ክልቲኦም ተወዳደርቲ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ፡ ቁጠባን ካልኦት ዛዕባታትን ተራፂሞም ኣለው።

ኣብ መንጎ ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልትድ ትራምፕን ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ፈላማይ ክትዕ ብናይ ኢድ ሰላምታ ጀሚሩ እንተኾነ ግን ውዕውዕ ክትዕ ኽከውን ጊዜ ኣይወሰደሉን።8 ሕዳር 2016 ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ሰለስተ ናይ ገፅ ንገፅ ክትዓት ክካይዱ’ዮም እቲ ናይ ትማሊ ፈላማይ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ኢኮኖሚን ኣሜሪካ ኣብ ወፃኢ ብዛዕባ ዝህልዋ ታራን ተጻራሪ ትልሞም ኣቕሪቦም ኣለው።

ሪፓብሊካዊ ዲታ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዶናልድ ትራምፕ እታ ሃገር ገንዘብ ብዝፈልጥ ሰብ ክትምራሕ እዋኑ ኣኺሉ’ሎ ኢሎም።

ንፖሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ብዝምልከት ትራምፕ ሂላሪ ክሊንተን ሚኒስትር ወፃኢ ኮይነን ንዝሰርሓሉ እዋን ነቒፎም።ሂላሪ ክሊንተን ልምዲ ኣለወን ኢሎም ትራምፕ እቲ ልምዲ ስራሕ ግን ሕማቕ ናይ ስራሕ ልምዲ እዩ ኢለን።ፕሬዝዳንት ኮይነን ንክሰርሓ ዘኽእለን ንቕሓት ወይ ጉልበት ይሓፅረን እዩ ኢሎም።

ሂላሪ ክሊንተን ብወገን ኣብ 112 ሃገራት ዓለም ተጓዒዝካ ንሰላም ተላዚብካ፣ቶኽሲ ደው ንምባል፣ተቓወምቲ ንኽፍትሑ ተደራዲርካ፣ሓደሽቲ ዕድላት ከፊትካ እዚ ጥራይ ከይኮነን ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ቀሪብካ ን11 ስዓታት ተሓቲትካ ክትምልስ እንተኺኢልካ ብዛዕባ ክትሰርሕ ዝህልወካ ሓይሊ ክንዘራርብ ንኽእል ክብላ መሊሰን።

ክልቲኦም ተነወዳደርቲ ክልተ ናይ ገፅ ንገፅ ክትዓት ተሪፉዎም ኣሎ።እቲ ዝቕፅል 9 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም.ፈ እዩ።ዝቕፅል ሰሙን 4 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ድማ ምኽትል ፕሬዝዳንትታት ዴሞክራሲያዊ ቲም ኬይንን ሪፓብሊካዊ ማይክ ፔንስን ክጋጠሙ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ሕጹያት ቀዳማይ ዙር ክትዕ ትማሊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:10 0:00


XS
SM
MD
LG