ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጉዳይ ፈተነ ኣጽዋር ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ኩሉ ዓይነት አማራጺ ከምዘሎ ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኣጠንቂቆም

  • ቪኦኤ ዜና

ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ (ጸጋም) ን ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሹዙኔ አበ (የማን)

ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ንጉዳይ ፈተነ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ብዝምልከት “ኩሉ ዓይነት ኣማራጺታት ኣሎ” ክብሉ ኣጠንቂቆም።

ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ነዚ ዝበሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሹዚኖ ኣበን ካልኦት ሰበ ስልጣን ንምርኻብ ቶክዮ ድሕሪ ምእታዎም’ዩ።ንሶም ብተወሳኺ ኣብዚ ፈታኒ ዝተባህለ ጊዜ ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ጽኑዕ ሸሪክነት ሃገራት ኤስያ ደው ከምትብል ንመራሕቲ ጃፓን ኣረጋጊጾም።

“ከምቲ ኣብ ናይ ደቡብ ኮርያ ዑደተይ ንፕረዝደንት ብምውካል ብግልጺ ዘቐመጥክዎ እቲ ስትራቴጂካዊ ትዕግስቲ ኣብቒዑ’ዩ። ዋላ’ዃ ኩሉ ዓይነት አማራጺታት እንተለው ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያን ምስ ኩሎም መሻርኽቲ እቲ ዞባ ከምኡ እዋን ምስ ቻይና ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይን ንወሽመጥ ኮርያ ካብ ኑክሌራዊ አጽዋር ነጻ ንምግባር ብሓባር ንምስራሕ ወሲኖም’ዮም።”

ፕረዝደንት ጃፓን ሹዚኖ አበ ብወገኖም ነቲ ምምሕዳር ፕረዝደንት ትራምፕ “ኩሉ ኣማራጺታት” ዝበሎ ስነ ሓሳብ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

“ብርግጽ ነቲ ጉዳይ ሰላማዊ መዓልቦ ከነናንድ ይግባእ ይኹን ደአ እንበር ዘተ ንስለ ዘተ ትርጉም ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን። ሰሜን ኮርያ ኣብ ዘተ ክትሳተፍ ጸቕጢ ክግበር ኣድላይ’ዩ።”

እዚ ምብጻሕ ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኤስያ ኣብቲ ሰሜን ኮርያ ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ ዝኽእል ኣህጉራዊ ባለስቲክ ሚሳይል ኣብ ምምዕባል ጻዕርታት ተካይደሉ ውጥረት ዝመልኦ እዋን’ዩ ተኻይዱ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብወገኖም ሰሜን ኮርያ ኣብ በዓል ልደት መራሒኣ ፈተነ ኑክሌር ኣንተኻይዳ ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ኑክሌር ዝዓጠቓ ነፈርቲ ውግእ ምውፋሮም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG