ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነስርዓት ቃለ-ምሓላ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ


Inaugural Swearing In
Inaugural Swearing In
ኣሜሪካዊያን ንፅምብል ቃለ ምሓላ ፕሬዝዳንቶም ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ትማሊ ሰኒ ኣብዚ ኣብ ዋና ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ብዱምቕ ኣኽቢሮምዎ።

ብዙሓት ኣማእቲ ኣሽሓት ህዝቢ ፕሬዝዳንቶም ባራክ ኦባማ ቃለ ምሓላ እናፈፀሙ ኣብዚ ቆራር ማዕልቲ ብኣንፈት ምዕራብ ፊት ንፊት ህንፃ ካፒቶል ብምእካብ ተዓዚቦምዎ። ይርኣዩ።
እቶም ፕሬዝዳንት ብዋና ዳኛ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ሮበርት ኣቢሎም ነይሮም ቃለ ምሓላ ዝፈፀሙ።

በመሰረት ሕገ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ስልጣን ዘመን እቶም ፕሬዝዳንት 20 ጥሪ ኣ/ፈ ከብቅዕ ስለዘለዎ ፕሬዝዳንት ኦባማን ምኽትል ፕሬዝዳንት ጆ ባይደንን ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ነይሮም ብውልቂ ኣብ ንእስ ዝበለ ስነስርዓት ቃለ ምሓላ ዝፈፀሙ።ስነስርዓት ቃለ ምሓላ ኣብ ዕለተ ሰንበት ከይኮነስ ህዝቢ ኣብዝተረኸበሉ ዕለተ ሰኒ እዩ ዝካየድ።

እቶም ፕሬዝዳንት ኢዶም ኣብ ልዕሊ ክልተ መፃሕፍቲ ቅዱስ ብንምባር ነይሮም ቃለ ምሓላ ዝፈፀሙ።ፕሬዝዳንት ኣብርሃም ሊንከን ኣብ 1861 ኣ/ፈ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምሓላ ዝተጠቐምሉ መፅሓፍ ቅዱስን ብቐታሊ ሰብ ናይ ዝተቐንፀሉ ተቓላሳይ ስቪላዊ መሰላት ዶ/ር ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁኒየር መፅሓፍ ቅዱስን እዮም።ትማሊ ሰኒ ካሊእ ድርብ ብዓል’ውን ነይሩ።ዝኽር ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ተኸቢሩ ውዒሉ።

19 ደቓይቕ ኣብዝወድአ ቃለ ምሓላ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣሚሪካዊያን ኣብ መንግኦም ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ንናይታ ሃገር ሽግራት ንምፍታሕ ሓቢሮም ክሰርሑ ፀዊዖም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ማእኸላይ እቶት ናይ ዘለዎም ኣሜሪካዊያን ደረጃ መነባብሮ ንምዕባይን ፍትሓዊ ዘይኮነ ናይ ኣታዊ ስርዓት ንምንካይን ሓዊሱ ኣብ ናይ 2012 ኣ/ፈ ወፍሪ ዳግማይ ምርጭኦም ዘሕለፍዎም ጭብጥታት ኣፅንኦት ሂቦም ኣለው።‘’ኣዝዮም ውሑዳት ዝምዕብልሉ ኣብዝሓ ድማ መነባብርኦም እናንቆልቆለ ኣብዝኸደሉ ሃገርና ኣሜሪካ ክትዕዎት ከም ዘይትኽእል ከም ህዝቢ ንርዳእ ኢና።’’

ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ፅንዕቲ መሻርኽቲ ኮይና ከምእትቕፅልን ዴሞክራሲ ንኽዕምብብ ምሕጋዛ ክትቕፅለሉን እያ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ።
ናሽናል ሞል ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ለጥ ዝበለ ማይዳ ዝተረኸበ ህዝቢ ብዙሕ ነይሩ።ኣብ 2009 ኣ/ፈ ምስ ዝነበረ 1.8 ሚሊዮን ህዝቢ እንትወዳደር ግን ዝወሓደ።
XS
SM
MD
LG