ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ናብ ኢትዮጵያ ዘቅነዐ ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣይልወጥን' ይብሉ መራሒ ተቃወምቲ


ጽምዶ ኢትዮ-ኣሜሪካ
ጽምዶ ኢትዮ-ኣሜሪካ

ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ብዝተቀያየሩ ቁጽሪ ከምዘይቀያየር መራሒ ደምበ ተቃውሞ ኢትዮጵያ ገሊጾም። መራሒ መድረክ ዶ/ር በየነ ጴጥሮስ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ናይ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ምስንባትን ናይ ዶናልድ ትራምፕ ምምጻእን ዘስዕቦ ለውጢ የለን ኢሎም።

‘ብዓፈና መሰላትን ምጽባብ ፖለቲካዊ ባይታን’ ንገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ዝኸሱ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ፣ ከም ኣሜሪካ ካብ ዝኣምሰላ መሻርኽቲ ብዙሕ’ዮም ዝጽበዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንዝዓበየ ደምበ ተቃውሞ መድረክ ዝመርሑ ዶ/ር በየነ ጴጥሮስ፣ ኣብ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ክልወጥ ከሎ፣ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ፖሊሲ ዝለወጠሉ ዘበን ሪኤ ኣይፈልጥን ይብሉ።

‘ኦባማ ፕረዚደንት ኮይኖም ጸኒሖም’ዮም። ትራምፕ ድማ ክትክኡዎም’ዮም። ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣድማዒ ለውጢ ከስዕብ’ዮ ኢለ ኣይጽበን። ለውጢ ክህሉ’ዩ ዝብል ኣሎ እንተኾይኑ፤ ንፖሊሲ ኣሜሪካ ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጽእ ትጽቢት’ዩ፣ ባዶ ተስፋ’ ይብሉ ንሶም።

‘ዝመጸ ፕረዚደንት ኣሜሪካ እንተመጸ ዘቅድም ንረብሓ ሃገሩ’ዩ’ ይብሉ ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ። ኣስዒቦም፣ ‘ሓደ መንግስቲ ‘ምልካዊ ይኹን፣ ንህዝቡ ዝረግጽ፣ ካብ ሪኢቶ ምሃብ ሓሊፎም ዝገብርዎ ነገር የለን’ ስለዚ ካብ ዶናልድ ትራምፕ ትጽቢት ዝግበር ሓድሽ ነገር ኣይህሉን ኢልካ ምብጋስ’ዩ ዝምረጽ’ ኢሎም።

‘ኣሜሪካ ኣብ ጊዜ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢትዮጵያ ዝህልዋ ጽምዶ፣ ብምኽንያት ውግእ ጸረ ግብረ-ሸበራ ካብ’ቲ ዝጸንሖ ርክብ ዝያዳ ክሕይል’ዩ ዝብል ገምጋም’ዩ ዘለኒ። ስለዚ እናሓየለ’ዩ ዝኸይድ ዝብል እምነት ኣለኒ’ ኢሎም።

ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ካብ ጊዚኦም ይኣክል ዘሎ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ስልጣን ዝቅበሉ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምኻኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG