ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ደገፍ ፖሊስ ንምርካብ ይጉስጉሱ


ኣብ መንጎ ኣኽበርቲ ሕጊ ዩናይትድ ስቴትስን ኣፍሪካዊያን ኣሜሪካዊያንን ወጥሪ ይንህር ኣብዘለሉ እዋን ፕሬዝዳንታዉ ሕፅይቲ ሂላሪ ክንልቴንን ተቐናቓኒአን ዶናልድ ትራምፕን ናይ ፖሊስ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክን ጎስጓስ ኣካይዶም።

ኣብ ሊዊዚያና ብውሕጅ ንዝተጠቕዑ ሰባት ደገፎም ብምግላፅ ኣብ ሻርለት መደርኦም ዝኸፈቱ ትራምፕ ንሕግን ስርዓትን ዝለዓለ ቆላሕታ ክህብ እየ ኢሎም።

ንሶም: " ፕሬዝዳንት ኮይነ እንተድኣ ተመሪፀ እዚ ስርዓተ ኣልቦነትን ህውከትን ከብቅዕ እዩ።ኣዚዩ ኣብዝሓፀረ እዋን ከብቅዕ እዩ" ኢሎም።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣድመፅቲ ተኣማንነት ከሕድሩን ኣብ ርትዓዊ ፓሊሲታቶም ከድህቡን ሓደሽቲ ሓለፍቲ ወፍሪ ምርጫ ምኽሮም ከምዝለገሱሎም ይግለፅ ኣሎ።

ትራምፕ ሓላፊ ናይ ምርጫ ወፍሪ ክቕይሩ ዘገደዶም ኣሃዛዊ መዕቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ እናነከይ ብምምፅኡ እዩ ይብሉ ነቐፍቲ።

ሂላሪ ክልንቴን ሓድሽ ሓላፊ ወፍሪ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ንመንነት ትራምፕ ክቕይር ኣይክእልን እዩ ኢለን።

ንሰን: " ካብ ኣባላት ጉጅለ ወፍሪ ምርጭኡ ንዝደለዮ ሰበ ክቖፅርን ከባርርን ይኽእል እዩ።ብማሽን ዝተፅሓፈ ሓደሽቲ ቃላት ከንብብ እውን ክሕግዙዎ ይኽእሉ እዮም።ይኹን እምበር ሕዚ እውን እቲ ንፈልጦ ሰብ ኮይኑ እዩ ክቕፅል " ኢለን።

ሂላሪ ክንልቴን ትማሊ ሓሙስ ኣብዘካየድኦ ወፍሪ ምርጫ ኣብ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘተኮረ ነይሩ።ካብ መላእ እታ ሃገር ምስ ዝመፁ መራሕቲ መኮነናት ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብዝተራኸባሉ እዋን ኣብ መንጎ ፖሊስን ዘገልግሉዎ ማሕበረሰብን ዘሎ ኣፈላላይ ክፀብብ ኣድላይነቱ ገሊፀን ኣለዋ።

ሕጊ ክኽበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ምስ ዶናልድ ትራምፕ ይሰማምዓ፤ይኹን እምበር ዶናልድ ትራምፕ ብቕልጡ ክፈትሖ እየ ዝበሉዎ ፀገም ንሰን እቲ ርክብ ንምምሕያሽ ግዜን ፃዕርን የድልዮ እዩ ክብላ ስሚረናሉ።

XS
SM
MD
LG