ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ኣፍሪቃ ክሪስ ስሚዝ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ረቂቕ-ሕጊ ኣቕሪቡ


ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ኣፍሪቃ ክሪስ ስሚዝ
ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ኣፍሪቃ ክሪስ ስሚዝ

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ጉዳይ ኣፍሪቃ ክሪስ ስሚዝ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝፍጽሞ ዘሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ`ታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ መደምደምታ ከየምርሕ” ንምዕጋቱ ምስ ካልኣዩ ኾይኖም ነቲ ረቂቕ-ሕጊ ከምዘቕረቡ ሓቢሩ`ሎ።

ካብ ክፍለ-ግዝኣት ኒው-ጀርሲ ዝተወከለ ኣባል ሪፓብሊካን ፓርቲ ክሪስ ስሚዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስ ፖለቲካ መንግስቲ ሰለ-ዘይተሰማማዕካ ዘእስርን ዘቕትልን ፖሊሲ ክልወጥ ኣለዎ ይብል።

“ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ እናሓመቐ ይኸይድ ኣሎ። መንግስቲ ብኸቢድ ዝርኣይ መስቀይትን መቕተልትን ይፍጽም ኣሎ። ይኣክል ማለት ይኣክል`ዩ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ነኽብሮ ኢና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ዘኽብሮ መንግስቲ`ዩ ዘድልዮ ዘሎ። ሎሚ ነፋልጦ ዘለና ረቂቕ-ሕጊ፡ ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ዘሎ Global Magnitsky Human Rights Accountability Act ዝብል ሕጊ ተግባራዊ ክኸውንን ተሓተቲ ናይ መገሻ እገዳ ክግበሎምን ንብረቶምን ገንዘቦምን ክድስክልን ንምጽዋዕ`ዩ።”

ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ኣፍሪቃ ክሪስ ስሚዝ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ረቂቕ-ሕጊ ኣቕሪቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:59 0:00

እቲ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ኣተሓሒዙ፡ ድሕሪ ምውጻእ ህጹጽ ኣዋጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እናኸፍኤ እዩ መጺኡ ይብል።

“ እኳ ድኣስ እቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ገዲዱ`ዩ። ህጹጽ ኣዋጅ ከም ምኽንያት`ዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ።ጸገም ክህሉ ይኽእል`ዩ ግን ንሰባት ንምጭፍላቕን መሰላቶም ንምግሃስን ከም ጉልባብ ክጥቀምሉ ኣይግባእን። መንግስቲ ብህጹጽ ኣካይድኡ ክቕይር ኣለዎ። በዚ ረቂቕ-ሕጊ ክነርእዮ ዝደለና ንሱ`ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብን ግብረ-ሽበራን ብትገብሮ ኩናት ሕጉስ`የ። ንሱ ግን ከም ምኽንያት ክጥቀምሉ ይብሎምን።”

ብዛዕባ`ዚ ዝተሓተተ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እቲ ረቂቕ ናብ ምሉእ ባይቶ ምስ ቀረበ ዝርዝሩ ርኢና ርእይቶና ክንህብ ኢና ብምባል ርእይትኡ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG