ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝቐረቡ ናይ ውሳኔ ረቂቓት ብዕውት ኣፍሺልና ይብሉ


ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝቐረቡ ናይ ውሳኔ ረቂቓት(ሓሳባት) ብዕውት ኣፍሺለዮም’የ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንተገለጸ’ኳ ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ሕግታት ብኮንግረስ ይረቁ ከምዘለው ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንባይቶ ተወከልቲ ሃገሮም ዘቅረብዎ ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ስራሕ ክልተ ዝረቐቁ ሕግታት ኣፍሺልና ክብሉ ምዝራቦም መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም’ዮም።

ሓላፊ ስራሕ ንኡስ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበርዎ ግን ኮንግረስ ብምርጫ ኣብ ዝቅየረሉ ሓደስቲ ውሳነታት’ዮ ዝቐርቡ እምበር ዝተዓናቕኾነ ዝድንጉይ ሕጊ የለን ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG