ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘውጸኦ ሪፖርት መዘራረቢ ኮይኑ


ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ዘቆሞን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንከፃሪ ይሰርሕ ዘሎን ኮምሽን ‘ኤርትራ ብፍርሒ’ምበር ብሕጊ ዘይትምራሕ ሃገር’ያ ኢሉ፣ኣብ’ታ ሃገር ይፍጸም ኣሎ ንዝብሎ ከበድቲ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ፕረዚደንትን ገለ ሚኒስቲራትን ዝሕተትሉ ምናልባሽ’ውን ገበን ሰብኣዊነት ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ’ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ለንደን ኤምባሲ ኤርትራ ሓላፊ ጉዳያት ሚድያ ኣቶ ያሬድ ተስፋይ ‘ክፍለጥ ዘለዎ ህንፀት ሃገር ነዊሕ ዝወስድ’ዩ፣እቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ዝወፀ መግለፂ ድማ ሓድሽ ነገር ዘይብሉ’ዩ’ ይብል።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ብወገኑ ‘ሪፖርት እቲ ኮምሽን ንፈለማ ጊዜ ኣብ ጉዳይ ኤርትርራ ገበን ሰብኣዊነት ዝብል ኣምር ዘእተወን፣ካብ ፕረዚደንት ጀሚሩ ካልኦት ላዕለዎት መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ዝሕተቱ ምኻኖምን ዝጠቀሰ ሪፖርት’ዩ’ ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:16:17 0:00

XS
SM
MD
LG