ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማህበረሰብ ኣብ ምውናን አጽዋር ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ውሳኔ ከሕልፍ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጸዊዖም


ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ሰሜን ኮርያ ትሃንጾ ተሊማ ዘላ አጽዋር ኑክሌር ዝምልከት ዝኻየድ ዘሎ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብአቦ መንበርነት ይመርሑ ኣብ ዘለውሉ እዋን ዓለምለኸ ማህበረሰብ ኣብ ምውናን አጽዋር ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ውሳኔ ከሕልፍ ጸዊዖም። ንሶም ብተወሳኺ ባይቶ ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳዳ ኣብ ሓደ ውሳኔ ክበጽሕ ጸዊዖም።

አብቲ ንጉዳይ ምውናን ኣጽዋር ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ብዝምልከት ዝተጋብአ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሑ ዘለው ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ስግኣት እቲ ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ሲዎል ኾነ ቶክዮ ከተኻይዶ ትኽእል መጥቓዕቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክውን ምኳኑን ናብ ኣሜሪካ ዘቕነዓ ኣጽዋር ምምዕባላ ድማ ናይ ጊዜ ጉዳይ ምኳኑ ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ ዓለምለኸ ማህበረሰብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተወሰነ እገዳ ከተግብሩ ከምኡ’ውን ዲፕሎማሳዊ ዝምድና ከቋርጹን ጸዊዖም።

ሚኒስትር ቲለርሰን ሰሜን ኮርያ በዚ ትጉዓዞ መንገዲ እንተቀጺላ ኣሜሪካ ደው ኢላ ከምዘይትዕዘብ’ውን ሓቢሮም ኣለው።

“ንነዊሕ እዋን ዓለምለኸ ማህበረሰብ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ግብረ መልሲ ክህብ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ግን እዚ ከብቕዕ ኣለዎ። ኣብዚ ሕጂ ውሕስነት ጸጥታ ዓለም ኣዝዩ ዘገድሰሉ እዋን ውሳኔ ዘይምውሳድ ዓብይ ዕንወት ዘስዕብ’ዩ።ኣቐዲምና’ውን ገሊጽና ኔርና ስትራቴጂካዊ ትዕግስቲ ዘብቖዓሉ ጊዜ’ዩ። ተወሳኺ ትዕግስቲ ድማ ንምውናን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ምቕባል’ዩ።”

ኣብቲ ኣኬባ ባይቶ ጸጥታ ርእይኦም ዝሃቦ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ብወገኖም ካብዚ ስግኣት ኑክሌር ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ክውን ዝኾነሉ ጊዜ መፍትሕኡ “ዘተን ዝርርብን እዩ” ድሕሪ ብምባሎም እዚ ስለዝኾነ ድማ ንሶም ካብ ምልዕዓል ኹናት ዝገትእ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ዝከአሎም ኩሉ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።

ዝሓለፈ ዓመት ሰሜን ኮርያ ክልተ ፈተነ ኣጽዋር ኑክሌርን 24 ባለስቲክ ሚሳል ወንጪፋ’ያ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘላ ዓመት ኣብ ወርሒ የካቲት፡ መጋቢትን ሚያዝያን ድማ ተደጋጋሚ ፈተነ ባለስቲክ ሚሳይል ምኽያዳን ኣብ ቀረባ’ውን ፈተነ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምኽያዳ ዘይተርፍ’ዩ ክብሉ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG