ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓሙሽተ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ተቐቲሎም


ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዓጂቡ ይጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኮንቨይ 200 ዕጡቓት ብስወሰድዎ መጥቓዕቲ ሓሙሽተ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላምን ሸውዓተ ስቪላትን ምማቶም ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።ካልኦት ትሽዓተ ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለው።

ኩሎም ዝተቐተሉ ሓሙሽተ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ህንዳዊያን ምዃኖምን ዝተቐተሉ እውን 18 ስቪላት ንዝፀዓነ ኮንቨይ ካብ ዝተፈዎዮ መጥቓዕቲ ክከላኸሉ ምዃኑን ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ’ሎ።ዕጡቓት ኣብ ምብራቓዊ ክፍለ ግዝኣት እታ ሃገር ኣብ ጆንግሊ ነቲ ኮንቨይ ብድብያ ብምጥቕዖም ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደ ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኪየራን ዲወይር 30 ዝኾኑ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ናብ ፒቦር ኣብ ዝወስድ ዋና መንገዲ ነቲ ኮንቨይ ይዕጅቡ ስለዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት መንግስታት ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎምዎ።

ኣብ ጃንጉለይ ህውከት እናወሰኸ ክኸይድ ፀኒሑ እዩ።ብፋላይ ዓሌታት ሉ ኑዌርን ሙርለን እናተጠቓቕዑ እቲ ሓደ ናይቲ ካሊእ እንስሳት ክዘምቱ ፀኒሖም እዮም።

ሕቡራት መንግስታት ነቲ መጥቓዕቲ መን ከምዝፈፀሞ ንምዝራብ ግዚኡ ገና እዩ እንተበለ’ውን ወሃቢ ቃል ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ፊሊፕ ኣጉወር ግን ኣብቲ ከባቢ ኣንፃር ሓይልታት መንግስቲ ይዋጋእ ናይ ዘሎ ብዴቪድ ያዩ ያዩ ዝምራሕ ጉጅለ ዕጡቓት እዮም ፈፀምቱ ክብሉ ኸሲሶም።
ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ዲወይር 6,500 ወታደራት ዘለዎ ናይቲ ውድብ ተልእኾ ንቕድሚት ኣብዝገብሮ ምንቅስቓስ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ባን ኪ-ሙን ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም በቲ መጥቓዕቲ ምድንጋፆም ብምግላፅ ንዓቀብቲ ሰላም ምቕታል ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝርአ ናይ ኵናት ገበን እዩ ኢልምዎ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ እውን ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ጉዳይ ብህፁፅ መርሚሩ ፈፀምቱ ናብ ፍርዲ ንከቕርቦም ፀዊዑ’ሎ።
XS
SM
MD
LG