ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱማሊያ ዑደት ፈፂሞም


ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ሱማሊያ ሃንደበታዊ ዑደት ፈፂሞም።ኣብታ ሃገር ኣንፀላሊዩ ዘሎ ዓፀቦ ንምክልኻል ሱማሊያ ዓብዪ ከምዘድልያ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ምሕፅንታ ኣቕሪቦም ኣለው።

ሎማዕንቲ ሰሉስ ምስ ሓድሽ ፕሬዝዳንታ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ምስ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካ ተራኺቦም።

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ምስ ፕሬዝዳንት ፋርማጆ ብሓባር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ገዚፍ እዩ ኢሎም።’’ሎሚ ኣብ ሱማሊያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም 6.2 ሚሊዮን ሰባት ኣለው።እዚ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ሱማሊያ እዩ’’ ምስ በሉ ብምቕፃል ‘’ብሕፅረት ኣመጋግባ ኣዚዮም ዝተጠቕዑ 33 ሽሕ ህፃውንቲ ኣለው።ነዚ ዘወግድ እኹል ሓገዝ እንተድኣ ዘይተረኺቡ ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ክበፅሑ ተኽእሎ ኣሎ’’ኢሎም።

ኣብ ሱማሊያ ኣብ 2011 / ዘጋጠመ ዓፀቦን ህልቂትን ንምውጋድ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዓብዪ ሓገዝ የድሊ እዩ ኢሎም።

ናይ ሱማሊያ ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንዑደት ዋና ፀሓፊ ጉተረስ ብምሙጋስ ሰባ ምማት ጀሚሮም ኣለው፤እንስሳት እውን እናሃለቃ እየን ኢሎም።

ብዛዕባ ፀጥታን ሓገዝ ናብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ምክፍፋልን ክልቲኦም መራሕቲ ምዝርራቦም እውን ፕሬዝዳንት ፋርማጆ ገሊፆም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00

XS
SM
MD
LG