ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

​​ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት ውሳኔ 2244 ኣሕሊፉ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ዘንበሮ እገዳ’ውን ኣናዊሕዎ


አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕ/ሃ አቶ ግርማ አስመሮም
አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕ/ሃ አቶ ግርማ አስመሮም

​እቲ ቤት ምኽሪ፣ ተቖጻጻራይ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ከምዝሓገዘ ዘረጋግጽ መርተዖ ኣይረኸበን፣ እንተኾነ ኤርትራ ንናይ’ቲ ዞባ ዕጡቃት ጉጅለታት ትሕግዝ ኣላ ብዝብል ሪፖርት ጉጅለ ተቖጻጻራይ ከምዝተሻቀለ ሓቢሩ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ካብ ዝተጋጨወትሉ ቅድሚ 7 ዓመታት ንዳሓር፣ብዛዕባ ሃለዋት ጂቡታዊያን ምሩኻት ኹናት ሓበሬታ ንክትልግስ ሓቲቱ።

ናይ’ዚ እዋን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ እንግሊዛዊ ኣምባሳደር፣እቲ ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት ውሳነ፣ናብ ድምጺ ድሕሪ ምቅራቦም፣ ብ14 ደገፍ፣ ዜሮ ተኣቅቦን፣ 1 ተቃውሞን ሓሊፉ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ዘሕለፎ ውሳነ፣ንናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ስልጣን ዘናኣኣሰ’ዩ’ ክብል ነጺግዎ። "ንዝሓጸረ እዋን ንኤርትራን ነቲ ዞባን ክሃሰዮ’ዩ፣ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግና እቲ ግዳይ ዝኸውን ዓለም-ለኸ ሕግን፡ ምምራት ሕጋዊ ስልጣን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን`ዩ "

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ቃለ-መጠይቕ አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:02 0:00

ድሕሪ ስነ-ስርዓት ድምጺ ኣብ ልዕሊ’ቲ ረቂቅ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዝምልከተን ሃገራትን ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣተሓሒዝና ኣቅሪብናልኩም ኣለና (ብእንግሊዝኛ’ዩ)

XS
SM
MD
LG