ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባሕሪ ሜድትራኒያንን ማያት ሊቢያን ጀልባታት ተጠርጠርቲ ነጋዶ ደቂ ሰባት ክፍተሻን ክትሓዛን ዝፈቅድ ውሳነ ጸዲቑ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት፡ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ባህሪ ሜድትራኒያንን ወሰን ማይ ሊቢያን ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኢሎም ንዝጥርጥሩወን መራኽብ ክፍትሹን ክሕዙን ዝፈቅድ ውሳነ ኣጽዲቑ።

ብብሪጣንያ ንዝቐረበ ረቂቕ ኣማሓይሹ ዘጽደቖ እቲ ቤት ምኽሪ እዚ ኣውሮፓ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠማ ዝኸፍአ ቅልውላው ስደተኛታት ንምምካት ብዝብል እዩ።ካብ 15 ኣባል ሃገራት ድማ 14 ክድግፋ ከለዋ ቬኔዝዌላ ግን ድምጺ ተዓቅቦ ጌራ’ላ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ዘጽደቐ ምጥቃም ሓይሊ ብዝእዝዝ ዓንቀጽ 7 ቻርተር ሕቡራት መንግስታት ተመስሪቱ እዩ። ስልጣን እቲ ሓይሊ ንሓደ ዓመት ዝተደረተ እዩ።

XS
SM
MD
LG