ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ፡ ኣብ ጉዳይ ቻይናዊያን ነጋዶ ዝተላዕለ ውጥረት ይቕጽል ኣሎ


ከተማ ካምፓላ - ኡጋንዳ
ከተማ ካምፓላ - ኡጋንዳ

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኡጋንዳዊያን ወነንቲ ኣብያተ ንግዲ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካምፓላ ብምውጻእ ተቃውሞኦም ኣንጻር ቻይናዊያን ነጋዶ ገሊጾም። ነጋዶ እታ ሃገርን ገለ ሰበስልጣን ኡጋንዳን ወጻእተኛታት ነኣሽቱ ናይ ንግዲ ትካላት ካብ ምውናን ክኽልኸሉ ኣለዎም ይብሉ።መንግስቲ ብወገኑ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእን ቃል ኣትዩ’ሎ።

ኡጋንዳዊ ወናኒ ቤት ንግዲ ኤቨረስት ካዮንዶ አቦ መንበር ማሕበር ነጋዶ ኡጋንዳ’ውን እዩ፡ ንሱ መንግስቲ ወጻእተኛታት ነአሽቱ ኣብያተ ንግዲ ክውንኑ ዝኽልኽለሉ ጊዜ ሕጂ’ዩ ይብል።

“እቲ ኣቕራቢ ኣብ ዓድኻ ቤት ንግዲ እንተኸፊቱ እሞ ብጅምላን ብውሑድ ዓቐን ነቲ ምህርቲ ምሻጥ እንተጀሚሩ ንስኻ ካብቲ ንግዲ ትወጽእ ኢኻ። ካልኣይ ቻይና ንዜጋታታ ናይ ቀረጽ ምጉዳል ፖሊሲ ኣታኣታትያ አላ፡ ስለዚ እቶም ንወጻኢ ዝሰዱ እዚ ምጉዳል ቀረጽ ይምልኸቶም’ዩ። በዚ ድማ እቲ ካብኦም ዝመጽእ ኣቑሑት ካብቲ ናይ ኡጋንዳዊያን ኣቑሑት ዝሓሰረ’ዩ።”

ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኡጋንዳ ሓሓሊፉ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ክረአ ዝጸንሓ ኮይኑ ገለ ቻይናዊያን ነጋዶ’ውን ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ወረቐት ክሰርሑ ብምጽንሖም ካብ ኡጋንዳ ተባሪሮም’ዮም።

እንተኾነ ግን ኡጋንዳዊያን ነጋዶ እዚ እኹል ኣይኮነን ይብሉ።ዝሓለፈ ሰሙን ኡጋንዳዊያን ነጋዶ ናብ ጎደናታት ካምፓላ ብምውጻእ “ ዕዳጋታትና ግደፉልና” ዝብል ጭርሖታት ብምስማዕ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኡጋንዳ ወጻእተኛታት ናይ ስራሕ ፍቓድ ክሳብ ዝሓለዎም ኣብ ነአሽቱ ኣብያተ ንግዲ ከይሰርሑ ዝኽልኽል ሕጊ የለን። ኡጋንዳዊያን ነጋዶ ግን ብዛዕባ ወጻእተኛታት ነጋዶ ብፍላይ ድማ ቻይናዊያን ነጋዶ ተቓውሞኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም እቶም ቻይናዊያን ብልዑል ደረጃ ኣውፈርቲ ናብታ ሃገር ይኣትው እሞ ብዘይ ግቡእ ምዝገባ ኣብ ነአሽቱ ኣብያተ ንግዲ ይሰርሑ ይብሉ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኡጋንዳ ዘንግ ዙ ኪያንግ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።

“እቶም ቻይናዊያን ነጋዶ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ዝተቐየዱ እዮም ዝተጣህሰ ሕጊ እታ ሃገር’ውን የለን፡ገለ ዘይሕጉሳት ወገናት ኣለው ስለዚ ነዚ ጉዳይ ብሕጊ ጥራይ ክፍታሕ ዘለዎ። እቲ ካልእ ነገር ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ካብ ቻይና ኣቑሑት ከተእትው ከለኻ ቀረጽ ኣሎ ስለዚ እቲ ቀረጽ ኣይከፍሉን ዝብል መሰረት ዘይብሉ ክሲ’ዩ ይብሉ።”

ናይ ኡጋንዳ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ክፍሊ ወፍሪን ብሕታዊ ትካላትን ሓላፊ ኤልቭን ኣኒት ብወገኑ እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ጉዳይ ይኸታተሎ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኡጋንዳ፡ ኣብ ጉዳይ ቻይናዊያን ነጋዶ ዝተላዕለ ውጥረት ይቕጽል ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

XS
SM
MD
LG