ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አርባዕተ ጉጅለታት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዘተ ቱኒዝያ ተዓዋቲ ሽልማት ኖብል ሰላም 2015 ኮይኑ


ሃገራዊ ዘተ ቱኒዝያ ተዓዋቲ ሽልማት ኖብል
ሃገራዊ ዘተ ቱኒዝያ ተዓዋቲ ሽልማት ኖብል

አብ ቱኒዚያ ኣብ 2011 ኣ/ፈ ዝተኻየደ ለውጢ ጽዲያ ዓረብ ስዒቡ እታ ሃገር ኣሳታፊ ዴሞክራሲ ክትሃንጽ ብዘካየድዎ ወሳኒ አበርክቶ’ዮም እዘን ጉጅለታት ተሸሊሞም ዘለው።

ኣብ ኦስሎ ዝመደብሩ ናይ ኖቤል ኮሚቴ እቲ ሽልማት ናብ ውልቂ ጉጀለታት ከይኮነስ ንኹሎም ኣርባዕተ ትካላት ብሓባር ተዋሂቡ’ሎ ክብል ኣዊጁ።

ኣብቲ ጽባሕ ለውጢ ጽዲያ ዓረብ ኣብ ቱኒዚያ ንዝተረኣዩ ፈተንቲ ፖለቲካዊ ቅንጸላታትን ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገርn ኣብ እዋን ኲናት ሕድሕድ ቱኒዝያ እዘን ጉጅለታት እቲ ኩነታት ብሰላማዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣረጋጊኦም ክብል እቲ ኮሚቴ ብተወሳኺ ሓቢሩ’ሎ።

ጉጅለታት ሃገራዊ ዘተ ቱኒዝያ ሓፈሻዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ቱኒዚያ፣ኮንፈደረሽን ኢንዱስቱሪ፣ንግድን ስራሕቲ ኢደ-ጥበብን፣ሊግ ሰብኣዊ መሰላት ቱንዚያን ናይ ቱንዚያ ማሕበር ሰብ ሙያ ሕግን እዮም።

መጠን ዝውሃብ ሽልማት ገንዘብ በብዓመቱ ዝፈላለ እንተ’ኾነ ናይዚ ዓመት ሽልማት ግን 975 ሽሕ ዶ/ር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG