ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ትራምፕን እንግሊዝን ዝኣተውዎ ምስሕሓብ 'ጠለፋ ቴለፎን'


The White House
The White House

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ’ዚ ቀረባ ‘ትካል ስለያ እንግሊዝ ኣብ ጠለፋ ቴለፎን ህንጻ ትራምፕ ኢድ ነይሩዎ’ ምባሎም ‘ትርጉም ዘይብሉ መግለጺ’ ኢላ ነጺጋቶ እንግሊዝ።

ካብ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት (ዋይት ሃውስ) እቲ ኣባሃህላ ኣይድገምን ዝብል መረጋገጺ ከምዝተቐበለት’ ገሊጻ’ላ እንግሊዝ።

ወሃቢ ቃል ቀዳመይቲ ሚንስትር ቴረዛ መይ ‘እቲ ሓሙስ ብዋይት ዝተዋሃበ መግለጺ ‘ትርጉም ዘይብሉ መግለጺ’ዩ’፣ ‘ብመሰረት ክልቲኤን ሃገራት ዝኸተማሉ ውዕል፣ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ስለያ ኣይትፍጽምን’ ኢሎም።

ትማሊ ሓሙስ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ሽዋን ስፓይሰር ‘ንቴለቭዥን ፋክስ ጠቂሱ፣ GCHQ ዝተባሃለ ትካል ስለያ እንግሊዝ ኣብ ህንጻ ትራምፕ ተግባር ስለያ ኣካይዱ’ሎ’ ምባሉ እቲ ዜና ይሕብር።

ጋዜጠኛ ፋክስ ኣንድሪው ናፖሊታኖ ‘ሰለስተ ስለያዊ ምንጭታት ንፋክስ ከምዝበልዎ፣ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ካብ ስልጣኖም ወጻኢ፣ እቲ ስለያ ንክካየድ ከምዝኣዘዙን GCHQ ከምዝተሳተፈን’ ምባሉን ገሊጹ’ዩ።

XS
SM
MD
LG