ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕገ መንግስቲን ታሪኽ ምእጋድ ስደተኛታትን ናብ ኣሜሪካ


ደሴት ኢልስ ኒውዮርክ
ደሴት ኢልስ ኒውዮርክ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ቅነ ዘሕለፍዎ ንስደተኛታት ዝለከመ ትእዛዝ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዘበናት እቲ ፈላማይ’ኳ እንተኾነ መንግስቲ ኣሜሪካ ንዋሕዚ ስደተኛታት ክእግድ ግና ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ኣብ 1789 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ‘ቤት ምኽሪ ንሕጊ ኢምግረሽን የውጽእ’ ይብል። ፕረዚደንት ድማ ነቲ ሕጊ ይትግብሮ።

ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣሜሪካ ጭዋድኡ ኣንጻር ስደተኛታት ከሕይል ጀመረ። ኣብ ኒውዮርክ ትርከብ ደሴት ኢሊስ መእተዊት ስደተኛታት ገይሩ፣ ካብ ጣልያንን ምብራቃዊ ኣውሮጳን ብበዝሒ ስደተኛታት ተቀቢሉ’ዩ። ድኻታትን ዘይተማሃሩን ነበሩ መብዛሕተኦም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚያሚ ኮሌጅ ሕጊ ዝምህር ፕሮፈሰር ኩናል ፓርከር ብዛዕባ ፕረዚደንት ትራምፕ ዘሕለፍዎ ትእዛዝ ክዛረብ ከሎ ‘ሰባት እቲ ትራምፕ ዝገበሮ ንታሪኽ ኣሜሪካ ድሕሪ 1965 ዝጻረር’ዩ ዝመስሎም’ በለ።

እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ካብ ኢራን፣ ዒራቅ፣ ሊብያ፣ ሶማልያ፣ ሶርያን የመንን ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ይእግድ። ተቃወምቲ ‘ትራምፕ ንሙስሊማት ጥራሕ ፈልዩ’ዩ ዘጥቕዕ ዘሎ ከምኡውን ንክብሪታት ኣሜሪካ ዝጻባእ’ዩ’ ባሃልቲ’ዮም።

ፕሮፈሰር ፓርከር ‘ስራሕ ትራምፕ ንሕጊ ዝጣሓሰ ኣይኮነን። መጠን ስደተኛታት ኣብ ምቁጽጻር፣ ፕረዚደንትን ቤት ምኽሪን ስልጣን ከምዘለዎም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ተቀቢልዎ ዝሓደረ’ዩ’ ይብል።

XS
SM
MD
LG