ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ናይ መወዳእታ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዶም


ሂላሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ብኸበድቲ ሚዛን ደገፍታ ከም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቶም ሚሸል ኦባማን ከምኡውን በዓል ቤተን ቢል ክሊንተንን ስሙያት ሙዚቀኛታት ከም ጆን ቦን ጆቪን ብሩስ ስፕሪንግስተንን ተሰን የን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍተን ኣብ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካየደን።

ብተመሳሳሊ ቀንዲ ተቐናቓኒአን ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ ድማ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ክፍላተ ግዝኣታት ፍሎሪዳ: ሚሽጋን: ፐንስልቫንያ: ኒውሃምፕሸርን ኖርዝ ካሮላይናን ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዶም።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጎስጓሶም "ንኣመሪካ ዝሃበተመት ክንገብራ ኢና: ንኣመሪካ ሓያል ክንገብራ ኢና: ንኣመሪካ ውሕስቲ ክንገብራ ኢና" ኢሎም።

እዚ ናይ ሰሉስ ምርጫ ኣመሪካውያን ኣብ ዘመን ሂወቶም ዝመርጽዎ ዝዓበየ ምርጫዩ ድማ ኢሎም።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብወገኖም ሂላሪ ክሊንተን ሓያል ጽንዕትን ዝተፈተናን ስለዝኾና ኣመሪካውያን ንዕአን ኣብ ዝመርጹሉ ብርህው መጻኢ ክህልዎም ከምዝኽእል ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG