ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ኣሜሪካ ይልግሶ ዝነበረ ገንዘብ እንተነክዩ ስራሕትና ክተዓናቀፍ'ዩ ይብሉ ትካላት ረድኤት


ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል
ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል

ምምሕዳር ትራምፕ ሓሊንዎ ዘሎ ምንካይ መጠን ገንዘብ፣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ግዳያት ደርቂ ኮይኖም ዘለው ሚልዮናት ረድኤት ንምቅራብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክጎድኦ ከምዝኽእል ትካላት ረድኤት ገሊጾም።

ብመሰረት ሪፖርት ሕ/ሃ፣ ረድኤት ኣብ እዋኑ እንተዘይተረኺቡ፣ ኣስታት ዕስራ ሚልዮን ህዝቢ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ናይጀርያን የመንን ሓደጋ ጥምየት ክወድቆም’ዮም።

ሕ/ሃ ወሲኹ፣ ማዕረ’ቲ ቅድሚ 6 ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሪዱ ኣስታት 260 ሽሕ ሰባት ዝቀንጸለ ጥምየት ሎሚ’ውን ንከይወድቀና ንምኹላፉ ኢሉ ዝሓተቶ 4 ቢልዮን ዶላር ሓቲቱ ነይሩ። ዛጊድ ዝረኸቦ መጠን ገንዘብ ግና ኣዝዩ ትሑት’ዩ’ውን ይብል ሕ/ሃ።

ካብኡ ዝገደደ ድማ፣ ኬንያ ንማእከል ስደተኛታት ዳዳብ ኣብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ’ዚ ክትዓጽዎ’ያ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ኒኪ ሃልይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ጥምየት፣ ሰብ-ሰራሕ’ዩ በለኦ።

እቶም ብድሆታት ኣብ ምቅላል፣ ኣሜሪካ ነቲ ዝጸንሓ መሪሕነት ተራ ተጠቒማ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ጠሚራ ንገለ’ቶም ብድሆታት ክትፈትሖም እያ ኢሉ ከምዝኣምን’ውን ንሱ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG