ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ካብ መስረቲ ተሓህት ሓደ ዝነበሩ` ኣቶ ካሕሳይ በርሀ ዓሪፎም


ኣርማ ተሓህት
ኣርማ ተሓህት

ሓደ ካብ መስረቲ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ናይ ሎሚ ህወሓት ዝነበረ ኣቶ ካሕሳይ በርሀ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዝዓረፈን ስነ-ስርዓት ቀብሩ ትማሊ ከምዝተፈጸመን ተገሊጹ።

ኣብ ተሓህት ናይ ሎሚ ህወሓት ክሳብ 1988 ዓም ዝተጋደለ ኣቶ ካሕሳይ በርሀ፣ ኣብ ጀርመን፣ ሶማልያ፣ ጂቡቲን ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ወካሊ ህወሓት ኮይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ንሱ ‘ኣብ ሰነ 1988 ብምክንያት ኣብ ውሽጢ’ቲ ውድብ ዝሓዞ ዝተፈለየ መርገጺ ካብ ህወሓት ተገዲዱ ከምዝወጸን፣ ንዳሕረዋይ ህይወቱ ኣብ ሙንስተር ጀርመን ኣሕሊፉዎ’ዩ። ‘ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲን ሓድነትን’ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዝሰነደ’ውን’ ዝፈልጥዎ ይዛረቡ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቶ ካሕሳይ በርሀ ኣብ ዝተወለደላ ሰለኽለኻ ኣኽሱም ትማሊ ከምዝተፈጸመ ንባዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ጻድቃን ተኽለማርያም ዝጠቀሰ ሪፖርት ገሊጹ።

ኣብ መበል 68 ዕድሚኡ ዝዓረፈ ኣቶ ካሕሳይ በርሀ ብናይ በረኻ ስሙ ‘ግንጽል’ ይልለ ዝነበረ ሰብ’ውን’ዩ። ንስድርኡን ቤተ-ሰቡን ጽንዓት ይሃቦም።

XS
SM
MD
LG