ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝውሰድ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን ይብል


 ኣብ ምምሕዳር ኦባማ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ጉዳይ ዲምክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪ
ኣብ ምምሕዳር ኦባማ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ጉዳይ ዲምክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪ

ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርአ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምዕጋት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንጸገማት ክፈትሕ ከምዘይክእል ኣብ ምምሕዳር ኦባማ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ጉዳይ ዲምክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪ ኣፍሊጦም።

ሓይልታት መንግስቲ ዓቐኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ብምጥቃም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝቐተሉን ብዙሓት ከምዘቑሰሉን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ምእሳሮም ቀጺሎም ከምዘለዉ`ውን ጠቒሶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ሰልፍታት ሰላማዊ ኣይነበሩን፡ ብናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት ዝዝወሩን`ዮም፡ ሓይሊ ጸጥታ`ውን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን ኢሉ`ሎ።

ምኽትል ሚንስትር ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ክልላትን ሰልፊ ክወጹ ኸለዉ “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ስራሕ`ዩ” ኢልካ ምንእኣስ ኣይክኣልን`ዩ ኢሎም።

ኽልቲኡ መግለጽታት ዘጠቓለለ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:01 0:00

XS
SM
MD
LG