ዋሽንግተን —
ሓይልታት መንግስቲ ዓቐኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ብምጥቃም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝቐተሉን ብዙሓት ከምዘቑሰሉን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ምእሳሮም ቀጺሎም ከምዘለዉ`ውን ጠቒሶም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ሰልፍታት ሰላማዊ ኣይነበሩን፡ ብናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት ዝዝወሩን`ዮም፡ ሓይሊ ጸጥታ`ውን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን ኢሉ`ሎ።
ምኽትል ሚንስትር ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ክልላትን ሰልፊ ክወጹ ኸለዉ “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ስራሕ`ዩ” ኢልካ ምንእኣስ ኣይክኣልን`ዩ ኢሎም።
ኽልቲኡ መግለጽታት ዘጠቓለለ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።