ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ ምንስቴር ታይላንድ ካብ ስልጣነን ንኽወርዳ ብተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንዝቐረበ ፃውዒት ነፂገንኦ


Anti-government protesters gather at a rally, calling for Thai Prime Minister Yingluck Shinawatra to step down in Bangkok, Thailand, Sunday, Nov. 24, 2013. Tens of thousands of anti-government demonstrators took to the streets of Thailand's capital to pro
Anti-government protesters gather at a rally, calling for Thai Prime Minister Yingluck Shinawatra to step down in Bangkok, Thailand, Sunday, Nov. 24, 2013. Tens of thousands of anti-government demonstrators took to the streets of Thailand's capital to pro
ቀዳመይቲ ምንስቴር ታይላንድ ብፀረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ንዝቐረበ ዘይሕገ መንግስታዊ እዩ ንዝበልኦ ቅድመ ኩነት ከምዘየተኣናግዳ ኣፍሊጠን።

ቀዳመይቲ ምንስቴር ታይላንድ ይንግላክ ሺናዋትራ ሎማዕንቲ ሰኒ ብተለቭዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስ መራሒ ፀረ መንግስቲ ተቓሚ ሱቴፕ ታውግሱባን ትማሊ ሰንበት ምርኻበን ኣረጋጊፀን ኣለዋ።

ትማሊ ምሸት ምስኦም ምስተራኸባ ካብ ስልጣነን ንኽወርዳን ፓርላማ ንኽብተንን ቅድመ ኩነት ከምዝተውሃበን ድሕሪ ምግላፅ ‘’ንሕትኦም ኣተኣናጊድና ክንቕፅል እንተኾይንና ኣይፈልጥን።ምኽንያቱ ነዚ ሕቶ ዘተኣናግድ ኣብ ሕገ መንግስትና የለን’’ኢለን።
ብመራሒ ተቓውሞ ዝቐረበ ስልጣን መንግስቲ ንዘይተመረፀ ናይ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ምርካብ ዝብል ብሕጊ ዘይክኣል እዩ ኢለን ወሲኸን።

ንህዝቢ ንምሕጓስ ዝኾነ ይኹን ንምፍፃም ፍቓደኛ’ዃ እንተኾና ሕጋዊ ግን ክኸውን ኣለዎ ኢለን ብምቕፃል።

ንሰን ነዚ ሪኢቶዚ ዝህባ ዘለዋ ፖሊስ ኣብ ባንኮክ ንመንግስታዊ ህንፃታት ንምሓዝ ይፍትኑ ንዝነበሩ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ጋዝ፣ማይን ናይ ጎማ ጥይትና ይጥቀም ኣብዝነበረሉ እዋን እዩ።

ናይቲ ተቓውሞ መራሒ ሱቴፕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣድማ ክገብሩን እተን ቀዳመይቲ ምንስቴር እውን ንናይ ህዝቢ ድምፂ ሰሚዐን ስልጣነን ብኽብሪ ንኸረክባን ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ፀዊዖም።

እቲ ሰልፊ ብዓብይኡ ሰላማዊ ነይሩ።እንተኾነ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳምን ትማሊ ሰንበትን ጉጅለታት ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ባንኮክ ተጋጪዮም ዓሰርተታት ምስቆሰሉን መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ንኣርባዕተ ሰባት ምስቀተሉን እቲ ወጥሪ ንሂሩ’ሎ።

እቲ ግጭት በቲ ሓደ ገፅ ንተን ቀዳመይቲ ምንስቴርን ኣብ 2006 ኣ/ፈ ብወታደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ዝተወገዱ ቢሊየነር ሓወን ቀዳማይ ምንስቴት ነበር ታክሲን ሺንዋትራን ዝኾኑ ኣብ ከተማ ባንኩክ ዝነብሩ ማእኸላይ እቶም ዘለዎምን እሙናት ደገፍትን በቲ ካሊእ ገፅ ድማ መብዛሕቲኡ ድኻ ዝኾነ ናይ ገጠር ህዝቢ እዩ።
XS
SM
MD
LG