ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም


ሓድሽ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም
ሓድሽ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም

ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓድሽ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ሎሚ ሰሉስ ተመሪጾም።

ንሶም ናብ'ዚ ክብሪ'ዚ ዝበቕዑ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ'ዮም። ሎሚ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝተካየደ ሰለስተ ዙራት መሰርሕ ምርጫ'ዮም ተዓዊቶም።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቶ ኃይለማርያም ደሳላኝ 'ዓወት ዶ/ር ቴድሮስ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም-ለኸ መድረኽ ተቐባልነት ከምዝረኸበት ሓባሪ’ዩ’ ኢሎም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር 95 መወዳድርቶም እንግሊዛዊ ዶ/ር ዴቪድ ናባሮ 52 ፓኪስታናዊት ሕጽይቲ ዶ/ር ሳንያ ኒሽታር 38 ድምጺ ረኺበን ሳልሳይን ትሑት ድምጺን ስለዝረኸባ ካብ'ቲ ውድድር ወጺኤን።

ኣብ ካልኣይ ዙር መስርሕ ድምጺ ዶ/ር ቴድሮስ 121 ድምጺ፣ ዶ/ር ናባሮ 62 ረኺቦም ነይሮም። ኣብ ሳልሳይ ዙር ግና ልዕሊ 130 ድምጺ ዝረኸቡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዓብላላይ ደገፍን ድምጺን ኣባላት'ቲ ቤት ምኽሪ ሓድሽ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ምኻኖም ተረጋጊጹ ኣሎ።

ምርጫ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዘይምስሕሓብ ኣይኮነን ናብ'ዚ ብርኪ'ዚ በጹሑ። ካብ ርሑቕ ከይኮነስ ካብ ባዕልቶም ካብ ኢትዮጵያዊያን ደገፍን ተቃውሞን ኣስዒቡ'ዩ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ሚኒስትር ጥዕናን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ዝዝከር እዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:32 0:00

XS
SM
MD
LG