ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ፈፂሞም


ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ዋና ፀሓፊ ባንኪ ሙን
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ዋና ፀሓፊ ባንኪ ሙን
ምንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ አድሃኖም፣ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ኒውዮርክን፣ወግዓዊ መገሻ ፈፂሞም ንዓዶም ተመሊሶም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያን ኣሜሪካን ከምኡውን ምስ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ንዝፀንሐ ርክብ ንምሕያል ከምዝተዘራረቡ‘ውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ዳይረክተር ሚድያን ርክባትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣብ ኒውዮርክ ምስ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ከምኡውን ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታን፣ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ድማ ንምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ ሓዊሱ ምስ ሰበ-ስልጣን ፔንታገን ተዘራሪቦም‘ዮም።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ኣብ‘ቲ ናይ ኣሜሪካ መገሸኦም፣ቀንዲ ትኹረት ዝገበሩሉ ጉዳይ ሶማልያ፣ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከምዝነበረ‘ውን ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።
XS
SM
MD
LG