ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ንዝፈተኑ 190 ስደተኛታት ሒዛ


ጀነራል ኣልሰር ሓሰን በሺር ሓምድ
ጀነራል ኣልሰር ሓሰን በሺር ሓምድ

ሰበ ስልጣን ምክልኻል ሱዳን ናይ 190 ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኣብ ዘዳውብ ቦታታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ናይ ምስጋር ፈተነ ከምዘበርዓኑ ኣፍሊጦም።

እቶም ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝተታሕዙ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሶማልን ምዃኖም ድማ ኣፍሊጦም። ምስኣቶም 14 ኣሰጋገርቲ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ኣፍሊጦም።

ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ምድሪ ሱዳን ጀነራል ኣልሰር ሓሰን በሺር ሓምድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝበርዓንዎ ፍልሰት ብኤውሮጳውያን ዝተቐናበረ ምንባሩ ገሊጹ።

ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ሱዳን ጀነራል ኣዝሃሪ ከማል ኣሕመድ ብወገኑ ካብቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት ዘመናዊ መሐበሪ ኣንፈት ሒዙ ከምዝተረኽበ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፈልሱ ስደተኛታት ን ሱዳን ከም መተሓላለፊት ሃገር ናብ ግብጺ ይኹን ናብ ሊብያ ተጠቒሞም ናብ ኤውሮጳ ከምዘምርሑ ይፍለጥ።

ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ንዝፈተኑ 190 ስደተኛታት ሒዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:59 0:00

XS
SM
MD
LG