ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብገበናት ኵናት ዝድለ ጆሴፍ ኮኒ ኣብ ሱዳን መሕብኢ ረኺቡ ይብሉ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት


Joseph Kony, l'un des chefs rebelles les plus recherchés du monde (photo prise en 2006)
Joseph Kony, l'un des chefs rebelles les plus recherchés du monde (photo prise en 2006)
ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ዝተኣገደ ሰራዊት መኸተ ጎይታ/LRA/ ኣብ ኣሰሓሓቢ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን መሕብኢ ቦታ ረኺቡ ክብሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ገበናት ኵናት ፈፂሙ ብዝብል ዓልምለኸ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወፂኡሉ ዝእለሽ ዘሎ ኣዛዚ ሰራዊት መኸተ ጎይታ/ LRA/ ጆሴፍ ኮኒ ኣብ ህድማ ይርከብ።ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሱዳን መዕቖቢ ረኺቡ’ሎ ኢሎም ይኣምኑ።

ሳሻ ሌዝነቭ Enough Project ኣብ ዝተብሃለ ትካል ተንታኒት እዮም።ንሶም ሰራዊት መኸተ ጎይታ ሱዳን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክትቆፃፀሮ ኣብዝፀንሐት ከባቢ ከምዝተጠናኸረ ወይክዓ ይጠናኸር ከምዘሎ ፈሊጥና ኣለና ኢሎም።

ብEnough Project ዝወፁ ምስልታት ሳተላይት ከምዝሓበርዎ ክሳብ ቀረባ ማለት’ውን ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት LRA ዝጥቀመሉ መዓስከር ከምዝነበረ እዩ።

LRA ክልቲአን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ይግብኣኒ ኣብ ዝብልኦ ኣሰሓሓቢ ከባቢ ካፊያ ኪንጊ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ንዝገልፁ ፀብፃባት ዩናይትድ ስቴትስ ፈሊጣ’ላ፤ምክትታላ’ውን ክትቕፅለሉ እያ ዝበሉ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ፓትሪክ ቬንትረል‘’ንLRA ንምሕጋዝን ንምሕባእን ዝሕብር ዝኾነ ይኹን ዘእምን መርትዖ እንተድኣ ቀሪቡ ዩናይትድ ስቴትስን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብሓፈሻን ኣኽቢዶም እዮም ዝርኢዎ።’’ ኢሎም።

ብድምፂ ክዛረቡ ዘይደለዩ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ግን ሱዳን ንLRA ኣገዳሲ ሓገዝ ምሃባ ዝቐፀለትሉ ምዃና ዘረጋግፅ እኹል መርትዖ የለን ይብሉ።

ሌሽነቭ ግን LRA ዳግም ንኽውደብ ሱዳን ናይ ግዜን ቦታን ሓገዝ ትህቦ’ላ ይብሉ ።
ተንቀሳቓሲ ሓይሊ ንዘለዎ ብፍላይ ድማ ንኽመዚ ዝበለ ጉጅለ ኢለን ጀነፈር ኩክ ሰራሕተኛ ማእኸል ስትራተጂያዊን ዓለምለኻውን መፅናዕቲ LRA ኣብ ውሽጢ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ክንቀሳቐስ ምኽኣሉ LRA ኣበይ ከምዘሎ ንምፍላጥ እኹል ጠመት ኣይውሃብን ዘሎ ማለት እዩ ይብላ።
XS
SM
MD
LG