ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣስቴር ገብረሚካኤል - መስራቲት ትካል ግብረ-ሰናይ 'ስታር ፎር ስታር'


ኣስቴር ገብረሚካኤል መስራቲት ‘ስታር-ፎር-ስታር’ ዝተባህለ ትካል ግብረ-ሰናይ’ያ። 'ስታር ፎር ስታር' ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ክፍለ-ግዝአት ኢንድያና ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ ዝርከብ ኽከውን ከሎ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብታ ከተማን ክፍለ-ግዝአትን ዘለዉ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ ዕላማ ጌሩ’ዩ ተመስሪቱ።

ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ,2015 ዓ.ም.ፈ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ማይ-ዓይኒ ብምኻድ ናይ ስኒ-ሕክምና ኣገልግሎት ንነበርቲ እቲ መዓስከርን ካብ ካልኦት ክልተ መዓከራት ዝመጹ ስደተኛታት ሂቡ።

ኣስቴር ገብረሚካኤል መስራቲት እዚ ትካል’ዚ ጥራይ ዘይኮነት ብሞያውን ናይ ስኒ-ሓኪም ብምዃና ናብዚ መዓስከር ስደተኛታት ብምዃድ ኣገልግሎት ካብ ዝሃቡ ሓካይም’ውን ሓንቲ’ያ።

ንዕላማ’ቲ ትካል ብዝምልከት አስቴር ‘ስታር ፎር ስታር’ ብመጀመርያ ንመንእሰያት ብፍላይ ብሓፈሻ ኸኣ ንኩሉ ሰብ ናብቲ ዝደልዮ ደረጃ ክበጽሕን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንክስጉምን ዝሕግዝ ትካል ምኻኑ ተረድእ። ብተወሳኺ’ውን አገልግሎት ሕክምና ስኒ’ውን ነዞም ክሕገዙ ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ይህብ።

ኣስቴር ብዛዕባ’ቲ እዚ ግብረ-ሰናይ ትካልን አባላቱን ዘካየድዎ ምብጻሕ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ማይ-ዓይኒ ከምዚ ትብል ትገልጽ።

‘ መጀመርያ እዚ ውጥን ኣብ ጥሪ,2015 ዝተጀመረ ኽኸውን ኸሎ ምስ ካልእ አብ ጀርመን ዝመሰረቱ ግብረ-ሰናይ ትካል ኤርትራዊያን ብምትሕግጋዝ’ዩ ተጀሚሩ። ቀጺሉ ምስ ካልእ ትካል ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ክንሰርሕ ጀሚርና። እቲ መደብ ናብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ተንቀሳቂስና ነቲ ኣግልግሎት ክንህብ’ዩ ኔሩ ፡ እንተኾነ ግን ድሒሩ እቲ ኩነታት ንሕና ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ ኮይና ተግልገልቲ ግን ካብ ካልኦት መዓስከራት መጺኦም ክሕከሙ ተዳልዩ ብከምዚ ድማ እቲ ሓገዝ ተፈጺሙ።’

ትካል ግብረ-ሰናይ ‘ስታር ፎር ስታር’ ዘድልዮ ናይ ገንዘብ ወጻኢታት ብከመይ ይሽፍኖ ፡ ንዝብል ሕቶ ኣስቴር ዝሃበቶ መልሲ ፡ መብዛሕትኡ ካብ ውልቀ-ሰባት ብትረኽቦ ሓገዝ ክከውን ከሎ ዝበዝሐ ወጻኢ ድማ ንሳ ከምትሽፈን ትገልጽ። ብተወሳኺ ኣብ ሕክምና ስኒ ከምትነጥፍ ንናይ ስኒ ሕክምና ዘድልይ መሳርሒታት ካብ መዛንኣ ዝኾኑ ሓካይም ስኒ ከምትረክብ’ውን ትገልጽ።

ኻልእ እቲ ናብቲ መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዘተገብረ ምብጻሕ ቅድሚ ምኽያዱ ‘ስታር ፎር ስታር’ ኣብ ዘዳለዎ ናይ 5 ኪ.ሜ ጉያ ኔሩ። እዚ ጉያ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ተባሂሉ ዝተኻየደ ኾይኑ 100 ሰባት ተመዝጊቦም እኳ እንተነበሩ በቲ መዓልቲ ብዘጋጠመ ኩነታት ኣየር 65 ሰባት ጥራይ አብቲ ጉያ ከምዝተሳተፉ ገሊጻ በዚ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት’ውን ሓገዝ ንምትእክኻብ ከምትፍትን ትገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ'ቲ ቓለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣስቴር ገብረሚካኤል - መስራቲት ትካል ግብረ-ሰናይ 'ስታር ፎር ስታር'
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:59 0:00

XS
SM
MD
LG