ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንግሊዛዊ ማርክ ካቨንድሽ ንሻድሻይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ተዓዊቱሉ


እንግሊዛዊ ተቐዳዳማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ማርክ ካቨንድሽ ንሻድሻይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ተዓዊቱሉ። በዚ ድማ ካቨንድሽ: ዛጊት ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ መበል 103 ቱር ዲ ፍራንስ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ መዘና ዘይተረኽቦ 3 ናይ ቀዳማይ ደረጃ ተደራራቢ ዓወታት ዝሓፈሰ ተቐዳዳማይ ክኸውን ኣኽኢልዎ ኣሎ።

ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ (DDD) ዝኾነ ማርክ ካቨንድሽ፣ ብኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃማኖት ክቕለስ ንዝወዓለ ናይ ጋንታ ስራሕ ኣብ መዛዘሚ መስመር ፈንጢሱ ብምእታው ኣብ ታሪኽ እታ ክለብ ብቐሊሉ ክሃስስ ዘይክእል ስም ኣመዝጊቡ። እዚ ዓወትዚ ንዕኡ ናይ መበል 29 ዓወት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ምዃኑዩ። በዚ ድማ እታ ብኣባል ክለብ ቲንኮፍ ስሎቫክያዊ ፒተር ሳጋን ሒዝዋ ዝቐነየ ሓምላይ ማልያ ብናይ ዕውት ሻድሻይ መድረኽ ማርክ ካቨንድሽ ተመንጢላ።

ተቐዳደምቲ ማርሰል ኪተል ኣባል ክለብ ኢተክስን (EQS) ዳን ማክላይ ኣባል ክለብ ፎርቱንዮ ቪታል ኮንሰፕትስን (FVC) ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ነቲ 190.5 ኪሎ ሜተር ካብ ኣርፓጆር ጁን ሰረ ክሳብ ሞንታኡባን ዝተዘርግሐ 6ይ መደረኽ ቱር ፈረንሳ ተዓዊቶምሉ።

በልጅማዊ ግረግ ቫን ኣቨርማኢት
በልጅማዊ ግረግ ቫን ኣቨርማኢት

ኣብ ብጫ ማልያ ዝመጸ ለውጢ የለን። ሕጂውን ምስ ኣባል ክለብ BMC ወዲ 31 ዓመት በልጅማዊ ቫን ኣቨርማኢት ትርከብ። ንሱ ድሕሪ ምዝዛም 6ይ መድረኽ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ንነፍስ ወከፍ ካልኢት ተቓሊሱ ብጫ ማልያ ክዕቅባ ከምዝኾነ ገሊጹ’ ሎ።

ክካየድ ዝቐነየ ዙር ፈረንሳ 103 ዳርጋ ኩሉ መድረኻት ጎላጉል ዝመልኦ መድረኽዩ ነይሩ። ብዘይካ መጠናዊ ዓቐብ ዝተራእየላ ሓንቲ መድረኽ። ካብ ሎሚ ዓርቢ ንድሓር ማለት ካብ 7ይ መድረኽ ኣትሒዙ ግን እቲ ዙር ኣብ ኣኽራናት በጺሑሎ። በዚ ድማ እቲ ፈታኒን መሳጥን ዝኾነ ናይ ዓቐብ ውድ ድራት ዝርኣየሉ መድረኻት ፈሊሙሎ።

ኣብ ሓፈሻዊ መስርዕ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዓለምለኻዊ መድረኽ ቅድ ድም ብሽክለታ ዝሳተፉ ዘለው ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ገብረማርያም ኤርትራውያን ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ኣብ መበል 73፡ 120፡ ከምኡ'ውን 128 ተርታ ብቕደም ተኸተል ተሰሪዖም ይርከቡ።

ሻድሻይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:29 0:00

XS
SM
MD
LG