ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪካ ብሩንዲን ካብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክወጻ ከምዝደልያ ሓቢረን


ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን - ዘ ሄግ
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን - ዘ ሄግ

ደቡብ ኣፍሪካን ብሩንዲን ካብ ኣባልነት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንምውፃእ ድልየት ከምዘለወን ዝገልፅ ደብዳቤ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ልኢኸን።ጋምቢያ እውን ደብዳቤ ክልእኽ እየ ኢላ’ላ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከብ ናይ ሕጊ ትካል ጠበቓ ዝኾና ኣንጌላ ሙዱኩቲ ከምዚ ዝበለ ደብዳቤ ምፅሓፍ ሓድሽ ከምዘይኮነ ገሊጸን።

“’በብዓመቱ ኣብዚ እዋን ተመሳሳሊ ነገር ንዕዘብ፤ሃገራት ካብ ኣባልነት ክንወፅእ ኢና ይብላ’ሞ ፈፂመን ወፂአን ግን ኣይፈልጣን እየን’’ ኢለን። ንሰን ብምስዓብ ‘’ናሚቢያ ዝሓለፈ ዓመት ክወፅእ እየ ኢላ፤ኬንያ ንዓመታት ክትዛረበሉ ፀኒሓ፣ኡጋንዳ እውን ከምኡ ካልኦት ሃገራት እውን ከምኡ ካብ ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበን ክንወፅእ እናበላ ከጠንቅቓ ዝፀንሓ ግን ዋላ ሓንቲ ዝፈፀመት ሃገር የላን’’ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ ሎሚ ግን እተን ሃገራት ነቲ መስርሕ ዝጀምርኦ ከምዘለዋን ዝተፈለየ እዩ ክብላ ሓቢረን።

መራሕቲ ኣፍሪካ ተፈሊና ዕላማ እዚ ቤት ፍርዲ ኾይና ክብሉ መረረዕም ከስምዑ ፀኒሖም እዮም።

XS
SM
MD
LG