ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን 4ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈሩ ንዝቐረበ እማመ ኣመሪካ ነጺጋቶ


ደቡብ ሱዳን ተወሰኽቲ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክዋፈሩ ንዝቐረበ እማመ ኣመሪካ ነጺጋቶ።

ሚኒስተር ዜና ደቡብ ሱዳን ሚኪኤል ማኩወል ኣመሪካ ተወሰኽቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክ ዋፈር ንዘቕረበቶ ንድፈ እማመ ሃገሩ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዘፍለጠ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጁባ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ክኸውን እንከሎ እቲ እማመ ንደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ምምሕዳር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘእቱዩ ኢሉ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ደቡብ ሱዳን ነበር ዝሓለፈ ወርሒ ደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክትመሓደር ድሕሪ ምጽውዑ ዝመጽእ ዓርቢ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ኣጽዋር ናይ ምትግባር ድምጺ ክህብ ት ጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ እገዳ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ክንበር ዝጽውዕውን እዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዝቐርብ ዘሎ ጸቕጢ ሰበ ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንሰራሕተኛታት እቲ ውድብ መንቀሳቐሲ ፖስፖርቶም ብምሓዛን ናይ ምንቅስቓስን ምብጽጻሕ ናይ ሓገዝ መገዲ እገዳታትን ብምትግባሩ ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝተላዕለ ግጭት እታ ሃገር ናብ ሓድሕድ ኲናት ከይትጥሕል ስክፍታታት ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተራእየ ብተወሳኺ ይጥቀስ።

ደቡብ ሱዳን 4ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈሩ ንዝቐረበ እማመ ኣመሪካ ነጺጋቶ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:49 0:00

XS
SM
MD
LG