ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ደቡብ ኣፍሪቃ ክስታት ብልሽውና ዝሓዘ ሪፖርት ወግዓዊ ከይኸውን ከካይድዎ ዝጸንሑ ተቓውሞ ኣቋሪጾም


ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ
ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ

ዳኛ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምምሕዳር ፕረዝደንት ዙማ ንዝቐረበ ክስታት ብልሽውና ዝሓዘ ሪፖርት ወግዓዊ ኽኸውን ወሲኑ’ሎ። እቶም ዳኛ ነዚ ውሳኔ ሎሚ ረቡዕ ዘመሓላለፍዎ ክኾኑ ኸለው እዚ ውሳኔ ፕረዝደንት ዙማ እቲ ሪፖርት ወግዓዊ ከይኸውን ከካይድዎ ዝጸንሑ ጓስጓስ ከምዘቋረጽዎ ድሕሪ ምግላጾም ምውሳኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ፕረዚደንት ጃኮፕ ዙማ ብናይ ሕጊ አማኸርቶም አቢሎም ምውጻእ ክስታት ብልሽውና ምምሕዳሮም ዝሓዘ ሪፖርት ደው ክብል ከካይድዎ ዝጸንሑ ምልክታ ከምዘቋረጽዎ ምግላጾም ንብዙሓት አገሪሞም ኣለው።

እቲ ሪፖርት ብናይ ህዝቢ ተኸራኻሪ ነበር ቱሉ ማዶንሰላ ዝተዳለወ ኽኸውን ኸሎ እቲ ሪፖርት ፕረዝደንት ዙማ በዓል ጸጋ ስድራ ጉብፓ ነቲ ስድራን ንግዶም ዝጠቕሙ ሚኒስትራት ኣብ ካቢነ’ታ ሃገር ክሸይም አፍቂዶም ዝብል ክስታት ይርኸብዎ።

ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ አማኸርቲ ሕጊ ፕረዝደንት ዙማ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ኽኣትው ንዝሓተቱ አርባዕተ ተቓወምቲ ፓርቲታት ብጽኑዕ ተቓዊሞም እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ፓርቲታት ክሳተፉ ዘፍቅድ ውሳኔ አሕሊፉ።

ብምቕጻል ሎሚ ረቡዕ ፕረዝደንት ዙማ ንወግዓዊ ምውጻእ እቲ ሪፖርት ዘነበሮም ተቓውሞ ምቁራጾም ገሊጾም እዚ ድማ ኣብቶም ተቓወምቲ ፓርትታት ተወሳኺ ሓጎስ ፈጢሩ’ሎ።

መራሒ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝተባህለ ፓርቲ ምምሲ ማይሜን ብዛዕባ እቲ ህልው ኩነታት ከምዚ ይብሉ።

“ሕጂ ነቲ ንፕረዝደንት ዙማ ተሓታቲ ዝገብር መስርሕ ክንቕጽል ኢና። ከም ህዝቢ እዛ ሃገር ወሳኒ ተግባር ንወስደሉ ጊዜ ሕጂ እዩ።”

ፕረዝደንት ጃኮፕ ዙማ (ማእኸላይ)
ፕረዝደንት ጃኮፕ ዙማ (ማእኸላይ)

እዚ ውሳኔ ፕረዝደንት ዙማ ንብዙሓት ደገፍቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ዘሓጎሰ ኽኸውን ኸሎ ብዙሓት’ውን ሓጎሶም ናብ ጎደናታት ከተማ ፕሪቶርያ ብምውጻእ ገሊጾም እዮም።

ሓንቲ ኣብ ጎደናታት ተቓውምኦም ዘስምዑ ካብ ዝነበሩ ቫን ቪክ ፕረዝደንት ዙማ ኾነ ፈጻሚ ኮሚቴ እቲ አብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ ኤኤንሲ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ከምትደልይ ትገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ እቲ ቤት ፍርዲ ቤት ጽሕፈት ተኸላኻሊ ህዝቢ ነቲ ሪፖርት ሎሚ ረቡዕ ንህዝቢ ብወግዒ ከፍልጥ ወሲኑ’ሎ።

ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ንትሕዝቶ እቲ ሪፖርት ክርእዩ ተሓንጥዮም አለው። ገለ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ስድራ ቤት ጉብታ ንዕኦም ዝጠቕም ውሳኔ እንተሕሊፎም ኣብ ኻቢነ እታ ሃገር መናብር ከምዘዳልውሎም ገሊጾምሎም ምንባሮም ይሕብሩ’ለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG