ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሶማሊላንድ ዓረብ ኢማራት ኣብ ወደባዊት ከተማ በርበራ መደበራት ሓይሊ ኣየርን ባሕሪ ክትሃንጽ ኣጽዲቑ


ወደባይት ከተማ በርበራ
ወደባይት ከተማ በርበራ

ካብ ሶማል ንርእሳ ናይ ዝነፀለት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ፓርላማ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ወደባዊት ከተማ በርበራ መደበራት ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ክትሃንፅ ብዓብዪ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ኣሕመድ መሓመድ ሲላኒዮ ፓርላማ ነቲ ጉዳይ ውሳነ ክህበሉ ትማሊ ሰንበት ኣብዘተኣኸበሉ እዋን እቲ ውዕል ኢንቨስትመንት ዝስህብን፤ንሱማሊላንድ ኾነ ነቲ ዞባ ድማ ዝኾነ ጉድኣት ዘስዕብ ኣይኾነን ኢሎም።

ገለ ኣባላት እቲ ፓርላማ ንሃሳብ እቶም ፕረዝደንት ዓው ኢሎም ምስተቓወሙ ካብቲ ፓርላማ ከውፁ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ 151 ኣባላት ፓርላማ 144 ነቲ ውሳነ ደግፎምዎ ኣለው።እዚ ስምምዕ ንዓረብ ኢማራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ወታደራዊ መንቀሳቐሲ ዝህብ እዩ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ወደብ ዓሰብ እውን ወታደራዊ መደብር ኣለዋ።ትልምታት ዓረብ ኢማራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ንምንቅስቓስ ባሕሪ ንምክትታል ዘኽእላ ንነዊሕ ዝዘልቕ ወታደራዊ መደብራት ምህናጽ እዩ።

ሚኒስትር ኣቪየሽን ሶማሊላንድ ፋርህ ኣዳን ሃይበ እቲ ስምምዕ ን25 ዓመታት ዝዘልቕ ከምዝኾነ ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ውዕል ነቲ ዱባይ ዝመደብሩ ዲፒ ዎርልድ ዝተባህለ ኩባንያ ወደባይት ከተማ በርበራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀንዲ መዕረፊ መራኽብ ዝገብር ናይ 442 ሚሊዮን ዶላር ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ምፍራሙ ስዒቡ ዝተፈጸመ እዩ።

ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ካብ ዝድግፋ ብዙሓት ሃገራት መንግስቲ ዓረብ ኢማራት ሓደ እዩ።

ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ዓ.ም ካብ ሶማል ነፃነታ ዝኣወጀት እንተኾነት ዛጊት ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር ግን የላን።

XS
SM
MD
LG