ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማልያ፣ድሕሪ 24 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣሜሪካ ኤምባሲ ከፊታ


መንግስቲ ሶማልያ፣እቲ ናይ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲኡ ሎሚ ሓሙስ ዝኸፈተ፣ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፍልድን ሚኒስትር ወጻኢ ሶማልያ ኣብዲሰላም ኦመርን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ-ስርዓት’ዩ።

ሚስተር ኣብዱሰላም ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ‘ምኽፋት’ቲ ኤምባሲ፣ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓደ መልእኽቲ ከማሓላልፍ’ዩ፣ ሶማልያ ካብ ናይ ዓመታት ተነጽሎ ከምዝተመለሰት’ ኢሎም።

ቶማስ ግሪንስፍልድ ብወገነን ‘ኣሜሪካ ካብ ድሕሪ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ንዝወጸ ህዝቢ ሶማልያ ናብርኡ ንምምሕያሽ ምስ መንግስቲ ሞቃዲሾ ሓቢራ ክትሰርሕ’ያ’ ኢለን።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲ ሶማልያ፣ ቅድሚ 24 ዓመታት እታ ሃገር ናብ ውግእ ሕድ-ሕድ ድሕሪ ምጥሓላ ከምዝተዓጸወ ዝዝከር’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ሶማልያ፣ድሕሪ 24 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣሜሪካ ኤምባሲ ከፊታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:47 0:00

ሶማልያ፣ድሕሪ 24 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣሜሪካ ኤምባሲ ከፊታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:59 0:00

XS
SM
MD
LG