ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ቁጽሪ ብማይ ወለድ ሕማማት ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ብሰንኪ ደርቂ ዘስዓቦ ማይ ወለድ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ይውስኽ ኣሎ፡ስግኣት ዓጸቦ’ውን መጠንቐቕታ ይወሃብ’ሎ።

እዚ ምስ ደርቂ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠመ ዳሕረዋይ ሞት ዝገልጽ ጸብጻብ ከምዝበሎ መብዛሕትኦም ኣንስትን ህጻናትን ዝኾኑ ልዕሊ 50 ሰባት ብሰንኪ ማይ ወለድ ሕማማት ሞይቶም ኣለው።

ምኽትል ሚኒስትሪ ጥዕና ሶማል መሓመድ አብዲ ዑስማን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ማይወለድ ውጽኣት በብቑሩብ ህይወት ሰባት ይቀዝፍ ኣሎ።

“ ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ሶማል ኣብ 45 ወረዳታትን 13 ዞባታትን 9,573 ሰባት ማይ ወለድ ውጽኣት ሓሚሞም 228 ኸአ ሞይቶም።”

ደርቂ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ዞባታት ባይን ባኮልን ካብ ካልኦት ከባቢታት ብዝያዳ ዝሓየለ’ዩ ዝመስል፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ባኮል ሓላፊ ሆስፒታል ሁዱር ዓብደልሃኪም ሙአሊም ከምዝበልዎ ብሰንኺ ማይ ወለድ ውጽኣት ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 12 ሰባት ሞይቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሶማል ቁጽሪ ብማይ ወለድ ሕማማት ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:32 0:00

XS
SM
MD
LG