ብደርቂ ዝተጠቕዑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ናብ መዓስከራት እታ ሃገር ይውሕዙ
ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ዝተጠቕዑን ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ዝርኸቡ መዓስከራት ይውሕዙ። ሓደጋ ጥምየትን ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዘጥቕዖም ህጻናትን ስድራቤቶምን ናብ ካብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ውጽእ ኢሉ ዝርኸብ መዓስከራት ይውሕዙ።ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ስደተኛታት መግቢ ንምርኻብ ንመዓልታት ኣብ ዝጉዓዘሉ እዋን ደቆም ብሰንኪ ጥምየት ክሞቱ ዝተዓዘቡ እዮም።
ኢፒሶዳት
-
ሚያዝያ 17, 2024
ሕጹያት ዝመጽእ ምርጫ ኣመሪካ ንእስራኤል ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ
-
ሚያዝያ 17, 2024
ኢትዮጵያዊያን ብምፍራስ ፒያሳ ይሓዝኑ
-
ሚያዝያ 16, 2024
መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ እስራኤል ንርክብ መራሕቲ ኣመሪካን ዒራቕን ይዕብልል
-
ሚያዝያ 16, 2024
ምምሕዳር አላማጣን ክልል ትግራይን ንሓድሕዶም ይከሳሱ
-
ሚያዝያ 15, 2024
ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ተዓዋቲ ማራቶን ቦስተን ኮይኑ