ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብደርቂ ዝተጠቕዑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ናብ መዓስከራት እታ ሃገር ይውሕዙ


ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ዝተጠቕዑን ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ዝርኸቡ መዓስከራት ይውሕዙ።

ሓደጋ ጥምየትን ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዘጥቕዖም ህጻናትን ስድራቤቶምን ናብ ካብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ውጽእ ኢሉ ዝርኸብ መዓስከራት ይውሕዙ።ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ስደተኛታት መግቢ ንምርኻብ ንመዓልታት ኣብ ዝጉዓዘሉ እዋን ደቆም ብሰንኪ ጥምየት ክሞቱ ዝተዓዘቡ እዮም።

ሓዋ ዓደን ኣደ ሓሙሽተ ቆልዑ’ያ እንተኾነ ክልተ ካብ ደቃ ብሰንኪ ደርቂ ስኢና’ያ። ሕጂ እቲ ብሰንኪ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝማሰነ ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ንፍዮ ሓሚሙ’ሎ፡ ሕክምና ኮነ መግቢ ድማ ክትረኽበሉ ኣይኸአለት።

“ናብዚ ቦታ ካብ ንመጽእ ሰለስተ መዓልታት ኮይኑ’ሎ ግን ክሳብ ሕጂ ዝብላዕ ኣይረኸብናን፡ ብጥሙያትና ኢና ዘለና።”

ካልእ ፋዱማ ኑሮው ዝተባህለት አደ ሰለስተ ቆልዑ ድማ ክልተ ደቃ ብሰንኪ እዚ ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ደርቅን ጥምየትን ምስኣና ትገልጽ።

“ካብ ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ሸበሊ ዝርኸብ ዓዲ ክሳብ ኣብዚ መዓስከር ንበጽሕ ን10 መዓልታት ብጥምየትን ጽምኢ ማይን መጺእና። ኣብ መንገዲ እቲ ሓደ ወደይ ሞይቱ እቲ ካልኣይ ኣብዚ መዓስከር ምስ በጻሕና ሞይቱ።”

ማሊክ ቡሉ ኢብራሂም ዓሊ ንፋዱማ ሓወቡኣ’ዩም ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ጥምየት ደው ክብሉ ኣይክእሉን። ንሶም ሓሙሽተ ህጻናት ካብ ስድራቤቶም ጥሪቶም ብምልኡ ብሰንኪ ደርቂን ጥምየትን ምሟቶም ይሕብሩ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ አጋጢሙ ዘሎ ደርቂ እንተቀጺሉ ቁጽሪ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን ኣብዛ ብሓደጋ ደርቂ ዝተጠቕዓት ሶማል ሕማም ኮሌራ ይውስኽ ምህላው ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን የጠንቅቑ።

ዓለምለኸ ውዱብ ጥዕና ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣብ ሶማል ልዕሊ 21,000 ሕሙማት ኮሌራ ከምዝተመዝገበ እዚ ድማ ን533 ብሰንኪ እዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ወሲኹ ምኳኑ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ንሰብኣዊ ጉዳያት ጀኒስ ላረክ ኣብ ሶማል ቁጽሪ ብሰንኪ ሕማም ኮሌራ ዝሞቱ ሰባት 2.3 ሚእታዊት ምኳኑን እዚ ድማ ልዕሊ’ቲ ናይ ሓደጋ እዋን መጠን ማለት ሓደ ሚእታዊት ምኳኑን ይገልጽ። ብሰንኺ’ዚ ሕማም ልዑል ቑጽሪ ዘለወን ክልተ ዞባታት ማእከላይ ጁባን ባኮልን ምዃነን ወሲኾም ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG