ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይ ሱማሊያ ዓፀቦ 258 ሽሕ ሰባት ምማቶም ሓድሽ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ


An internally displaced child suffering from cholera sleeps inside a ward at Banadir hospital in Somalia's capital Mogadishu, August 18, 2011.
An internally displaced child suffering from cholera sleeps inside a ward at Banadir hospital in Somalia's capital Mogadishu, August 18, 2011.
ኣብ ሶማሊያ ዓፀቦ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ዝሓለፈ እዋን 258 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ምማቶም ብሕቡራት መንግስታት ዝተኻየደ ሓድሽ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝወፀ መፅናዕቲ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ዘሕዝን ፋፃመ ህፁፅ ምላሽ ኣይሃበን ክብል’ውን ነቒፉ።እቲ ኣሃዝ ቅድሚ ሎሚ ተገሚቱ ካብ ዝነብረ ብዕፅፊ ዝበዝሐ ኮይኑ’ሎ።

በመሰረት እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ምግብን ሕርሻን ብዩናይትድ ስቴትስ ዝምወል ኣገባብ ቅድመ መጠንቀቕታ ዓፀቦ ዝተብሃለ ትካልን ብሓባር ዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣብ ሶማሊያ ካብ 2010 ክሳብ 2012 ኣ/ፈ ብዝበፅሐ ዓፀቦ 133 ሽሕ ዝኾኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብስኣን ምግቢ ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

እቲ ዓፀቦ ኣዝዩ ኣብ ዘጥቕዖ ኣብ ደቡባዊ ሱማሊያ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ታሕታይ ሸበሌ 18 ሚእታዊ ህፅናት ምማቶም ይግመት።

ጥምየት ኣብ ዝለዓለ ደርጃ ኣብዝበፅሐሉ እዋን በብወርሑ 30 ሽሕ ሰባት ይሞቱ ነይሮም።
ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣወሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሱማሊያ ፊሊፕ ላዛሪኒ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ዝወፀ ቁፅሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ዘደንግፅ እዩ ክብሉ ብምፅዋዕ ምክልኻል ይክኣል ነይሩ ኢሎም።

ናይ ሎሚ ስትራተጂ ረድኤትን ልምዓትን ሱማሊያዊያን ንሓዋሩ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኽፃወሩ ምእንታ ነዊሕ ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።’’ካብ ናይ ቅልውላው ቐርለበት ንምውፃእ ኣብ ህዝቢ ሱማሊያ ኢንቨስት ክንገብር ኣለና።’’

ኣብ ሱማሊያ 2.7 ሚሊዮን ህዝቢ ሎሚ’ውን ሓገዝ ከምዘድልዮም ሕቡራት መንግስታት ይገልፅ።
XS
SM
MD
LG