ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ረድኤት ሕ/ሃ ኣብ ሶማል ህጹጽ ረድኤት እንተዘይቐሪቡ ህልቂት ከጋጥም ይኽእል’ዩ ክብሉ የጠንቕቑ


ፋይል
ፋይል

ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላት ረድኤት ኣብ ሶማል ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ንሚሊዮናት ህፁፅ ረድኤት እንተድኣ ዘይቀሪቡ ህልቂት ክስዕብ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

እዞም ትካላት ብተወሳኺ ፍርቂ ህዝቢ ሶማል ወይ 6.2 ሚሊዮን ህዝቢ ብድርቂ ኣብ ስግኣት ወዲቖም ኣለው ይብሉ።

ኣብዝሓለፈ ሰሙን ወኪላት ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ናይ ሕ/ሃ ትካል ህጻናት ኣድሕን ( ዪኒሴፍ) ብድርቂ ኣዝዮም ኣብዝተጠቕዑ ከባቢታት ሰሜናዊ ዞባ ፑንትላንድ ዑደት ኣካይዶም።

ኣብ ሶማል ሃገራዊ ዳይረክተር ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ላውረንት ቡኬራ ኣብ ሓደ ገጠር 500 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝሞቱ እንስሳት ኣብ ዝተአኸቡሉ መፅለሊታት ይነብሩ ኣለው ኢሎም።


ኣብ ሶማል ኣብ 2010ን 2011 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ዓፀቦ ፍርቆም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት 260 ሽሕ ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብ ሶማል ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝጥቅዑ ህጻናት ኣብቶም ዝቕፅሉ ኣዋርሕ 270 ሽሕ ከምዝበፅሕ እውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ይግምት።

እቲ ኩነታት ኣዚዩ ሕማቕ እንተኾነ እውን ሶማል ነቲ ህልቂት ናይ ምምካት ዕድል ኣለዋ ይብሉ ቡኬራ።ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ኣቐዲሙ ስለዝፈለጠ ግብረ መልሲ ምሃብ ጀሚሩ’ሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG