ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ኣብ ኦሎምፒክ ዘርኣኽዎ ‘ምልክት ’ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝራኣይ ዘሎ ተቓውሞ ኣብ ጎኖም ከምዘለኹ ንምግላጽን’ዩ’ ይብል


ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ
ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ

ድራማ ጉያ ማራቶን ዘብቀዐ ተሸላማይ ብሩር ሜዳልያ ኢትዮጵያዊ ፈይሳ ለሊሳ አብ ውድድር ማራቶን ኣብ ጎኒ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይቅተሉ ኣለው ዝብሎም ምዃነይ ንምግላጽ ኢሉ፣ ኣእዳው ሓፍ ኣቢሉ ዘርአዮ ምልክት’ዩ መዘራረቢ ኮይኑ ዘሎ።

ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ትማሊ ምስ ሬድዮ ኣሜሪካ ክፍሊ ኦሮምኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ፣ ስለምንታይ ነቲ ምልክት ንምርኣይ ከምዝተገደደ ክገልጽ ከሎ ‘ምልክት ተቃውሞ’ ብኢደይ ዘርአኽሉ ምኽንያት፣ ከም’ቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝራኣይን ኣብ ጎኖም ከምዘለኹ ንምግላጽን’ዩ’ ኢሉ።

ኣብ መድረክ ኦሎምፒክ ንዘርአዮ ትብዓት ዝሓተተ ምልክት ተቃውሞ ዋጋ ከኽፍሎ ከምዝኽእል ኣሚኑ ተቀቢሉ’ሎ ፈይሳ ለሊሳ።

ድሕሪ’ቲ አጋጣሚ ናብ ዓዱ ምምላስ ከምዘስገኦ ዝገለፀ ኣትሌት ገለ ተቃወምቲ ንስግኣት ፈይሳ ከምዝቅበሉ ይዛረቡ።

መንግስቲ ግና፣ ዜጋታት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ምኳኑ ይገልጽ። ሓላፊ ክፍሊ ርክባት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ‘ሓሳብካ ብነጻነት ምስጓምን ንዝደለኻዮ ኣረኣእያ ምሓዝን ዴሞክራሲያዊን ሕገ-መንግስታዊን መሰላት’ዮም። ማንም ዝህቦምን ዝክልክሎምን መሰላት ኣይኮኑን’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኦሎምፒክ ሪዮ፣ ኣገራሚ፣ ሕማቅን ስግንጢራዊን መልክዓት ሒዙ ተጠናቂቁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:02 0:00

XS
SM
MD
LG