ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሺሞን ፐሬዝ ኣብ መበል 93 ዓመቶም ዓሪፎም


መራሕቲ ዓለም ኣብ መበል 93 ዓመቶም ሎማዕንቲ ረቡዕ ንዝዓረፉ ናይ እስራኤል ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴርን ዝነበሩ ሺሞን ፔርስ ክብሮም ይገልፁ ኣለው።

እስራኤል ካብ እትፍጠር ጀሚራ ህዝባዊ ኣግልግሎት ዝሃቡ ፔረዝ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብወቕዒ ሓሚሞም።ንሶም ክልተ ግዜ ቀዳማይ ምንስቴር፣ፕሬዝዳንት፣ምንስቴር ምክልኻልን ምንስቴር ጉዳያት ወፃእን ብምዃን ኣገልግሎም እዮም።

ሺሞን ፔረዝ ኣብ ታሪኽ ፓርላማ እስራኤል ዝነውሐ ግዜ ዘገልገሉ እንትኾኑ ን48 ዓመታት ኣብ ፓርላማ ወንበር ዝሓዙ እዮም።

ቀዳማይ ምንስቴር ቤንጃሚን ኔታኛሁ ፔረስ ምሉእ ህይወቶም ንልኡላዊ ህዝቢ እስራኦኤል ዘወፈዩ እዮም ኢሎምዎም።

ናይ ፍልስጤም ፕሬዝዳንት ማሕሙድ ዓባስ ሓዘኖም ገሊፆም ኣለው።ሓማስ ግን ታሕጓሱ ገሊፁ’ሎ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ መንጎ ዩናይትድ ስቴትስ እስራኤልን ምሕዝና ክድልድል ክንዲ ፔረዝ ዝሰርሕ የለን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG