ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ፓናማ ዝለሓኾ ምስጥራዊ ሰነድ ገለ ዓበይቲ ኣስማት ኣፍሪቃ ከምዘጠቃልል ተገሊጹ


እቲ ካብ ፓናማ ዝለሓኾ ዓብይ ምስጥራዊ ናይ ባንክ ሰነዳት ገለ ዓበይቲ ኣስማት ኣፍሪቃ’ውን ከምዘጠቃልል ተገሊጹ። እዚ ኣብ ታሪክ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝለሓኾ ምስጥራዊ ሰነድ ዝተባህለ ሪፖርት ን12 መራሕቲ ሃገራት ወሲኹ 143 ፖለቲከኛታት ሃብቲ ንምሕባእን ግብሪን እገዳታትን ንምውጋድ ሃብቶም ብኸመይ ካብ ሃገር ወጻኢ ይሓብኡ የርእይ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ሰነድ ኣስማቶም ዝተረቑሐ ኣፍሪቃዊያን ወዲ ሓፍቲ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ፡ መንታ ሓፍቲ ፕረዝደንት ዲሞክራሲያዊት ረፖብሊክ ኮንጎ ጆሴፍ ካቢላ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣመሓዳሪ ብነዳዲ ሃብታም ዝኮነት ክፍለ-ግዝኣት ደልታ- ናይጀርያ ዝነበረን ሚኒስትር ነዳዲ ኣንጎላን ይርኸብዎም። ኣንጎላ ካብ ናይጀርያ ቀጺላ ካልኣይቲ ብብዝሒ ነዳዲ ተፍርይ ሃገር’ያ።

ስቴንሊ ኣቾኑ ኣመሓዳሪ ቢጀት ዝተባህለ ናይ ሲቪክ ትካል ኣብ ናይጀርያ’ዩ። እዚ ትካል ኣብ ምስላዕ መንግስታዊ ባጀት ንናይጀርያዊያን ይነጥፍ። ንሶም ብዛዕባ’ዚ ዝለሓዅ ሰነድ ክዛረቡ ኸለዉ፡ ካብ ነዊሕ ጀሚሮም ኣፍሪቃዊያን ገለ ካብ መራሕቶም ገንዘብ ህዝቢ ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ ዘለዎም ናይ ባንክ ሒሳብ ከምዘቐምጡ ይፈልጡ ኔሮም`ዮም ይብሉ።

“እዚ ድማ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን።እዚ ሕጂ ዝተቓልዓ እቲ ንፈልጦ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ንሰምዖ ዝነበርና ብጭብጢ ወይ ወረቐት ደገፍ ምርኻቡ’ዩ።’

ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮፕ ዙማ
ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮፕ ዙማ

ምቕላዕ’ዚ ሰነድ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዝደንት ዙማ ንቅዋም’ታ ሃገር ጥሒሶም ብምባል ዝቐረበ ኽሲ ንምርኣይ ሎሚ ሶሉስ ቆጸራ ኣብ ዝሓዘሉ ጊዜ ምውጽኡ ድማ ነቶም ፕረዝደንት ዝኸፍአ ጊዜ ኮይኑ’ሎ።

እቲ ካብ ፓናማ ዝለሓኸ ሰነድ ካብ 2012 ዓ.ም.ፈ ጀሚረን ኣባል ቤት-ምኽሪ ዝኾና ማንታ ሓፍቲ ፕረዝደንት ኮንጎ ጃይነት ደዚረ ካቢላ’ውን ረቁሑ’ዩ። ንሰን ምስ ከራትሱ ሆልዲንግ ሊምቲድ ዝተባህለ ትካል ብምትእስሳር ስመን ኣብዚ ሰነድ ዝተረቑሐ ኮይኑ ነቲ ቀረቡ ዘሎ ክሲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃባን።

ካልኦት ኣብዚ ካብ ፓናማ ዝለሓኾ ሰነድ ዝተረቕሑ ምክትል ሚኒስትር ፍትሒ ኬንያ ካልፓና ራውል፡ በዓልቲ ቤት ፕረዝደንት ጊኒ ነበር ላንሳና ኮንተ - ማማዴ ቱረ’ዮም: ወዲ ጸሓፊ ሕ/ሃ ነበር ኮፊ ኣናን፡ ወዲ ፕረዝደንት ግብጺ ነበር ሁስኒ ሙባረክ ዓላ ሙባረክ፡ ፕረዝደንት ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ቦስትዋና ኢን ስቱዋርት ኪርቢ፡ ኣምባሳደር ዛንብያ ኣብ ኣሜሪካ ነበር ኣታን ሳንሶንጋ ይርከብዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ካብ ፓናማ ዝለሓኾ ምስጥራዊ ሰነድ ገለ ዓበይቲ ኣስማት ኣፍሪቃ ከምዘጠቃልል ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:48 0:00

XS
SM
MD
LG