ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዝያዳ ክጠናኸር'ዩ ኢሎም ኣሜሪካዊ ሴነተር


ሴነተር ጂም ኣይንሆፍ
ሴነተር ጂም ኣይንሆፍ

ምስ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ዝተዘራረቡ ኣሜሪካዊ ሴነተር ጂም ኣይንሆፍ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታዊ መደባት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መሻርኽቲ ኣሜሪካ’ያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ሕሉፍ ምምሕዳር ኦባማ ልባዊን ሙውቅን ርክብ ጸኒሕዋ’ዩ ዝበሉ ሴነተር ኣይንሆፍ፣ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ዝያዳ ከምዝጠናኸር ሓቢሮም።

ሴነተር ኣይንሆፍ ወሲኾም ‘ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ንዘለዋ ጻዕሪታት ሰላምን ጸጥታን ኣሜሪካ ትልግሶም ሓገዝ ክትቅጽለሉ ምኻና’ ገሊጾም።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ‘ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ብሕልፊ ኣብ ዘፈራት ንግድን ኢንቨስትመንትን ምስ ኣሜሪካ ሓቢራ ንምስራሕ ድልየታ’ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቶም ቀ/ሚ ወሲኾም ‘ኣብ ሞንጎ ዋሽንግተንን ኣዲሳበባን ምዉቕ ዝምድና ኣሎ። ግን ኣብ ዘፈራት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝራኣይ ዝምድና ዝያዳ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም።

ሴነተር ጂም ኣይንሆፍ ኣባል ኮሚተ ንግዲ፣ መጓዓዝያን ናእሽቲ ትካላት ንግዲን ሴነት ኣሜሪካ ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣብ’ዚ ቀረባታት፣ ኣሜሪካ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሻቅሎታ ምግላጻ ዝዝከር’ዩ። ሰብኣዊ መሰላትን ክኽበሩ፣ እሱራት ፖለቲካዊ ተቃወምቲ ንክፍትሑ’ውን ጸዊዓ’ያ።

XS
SM
MD
LG