ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ረፈረንደም ሩዋንዳ፣ፕረዚደንት ካጋሜ ንተወሳኺ 7 ዓመታት ዘበን ስልጣን ንክወዳደሩ ባይታ ኣጣጢሑ


ፕረዝደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ህዝቢ ሩዋንዳ ደረት ፕሬዝዳንታዊ ናይ ስልጠን ዘመን አብ ሕገ-መንግስቲ ንምልዋጥ ንዘካየዶ ረፈረንደም ኣመስጊኖም።እንተኾነ ግን ብዛዕባ ዳግማይ ምውድዳር ዝበሉዎ ነገር የለን።

እቶም ፕረዝደንት ብሬድዮ ኣብ ዝተመሓላለፍዎ ሃገራዊ መደረ ዘለኣለማዊ ሰብ የለን ነገር ግን ኣብ ክብርታት፣ትካላት ወይ ምዕባለ ገደብ ግዜ የለን፤ሓላፍነት ካብ ሓደ ህዝባዊ ኣገልጋሊ ናብ ካልእ ምሕላፍ ከምዝህልው ድማ ናይ ሩዋንዳዊያን እምነት'ዩ ኢሎም።

ስልጣን ፕሬዝዳንት ካጋሜ ኣብ መወዳእታ 2017 ዓ.ም.ፈ ከብቅዕ ኣለዎ።ብመሰረት እዚ ሓድሽ ለውጢ ግን 58 ዝዕድሚኦም ካጋሜ ንኻልእ ዙር ሸውዓተ ዓመት፣ቀጺሎም ድማ ንኽልተ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን እዋን ክወዳደሩ ይኽእሉ።እዚ ድማ ክሳብ 2034 ዓ.ም.ፈ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ዘኽእሎም እዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም 98 ሚእታዊ ሩዋንዳዊያን ኣድመጽቲ ነዚ ሓድሽ ለውጢ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

( ቪድዮ )ፕረዝደንት ፖል ካጋመ ድሕሪ ረፈረንዱም ምድማጾም ምስ ጋዜጠኛታት ዘጋየድዎ ሓጺር ቃለ መጠይቕ

ፕረ ፖል ካጋመ ድሕሪ ረፈረንዱም ምድማጾም ምስ ጋዜጠኛታት ዘጋየድዎ ሓጺር ቃለ-መጠይቕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:10 0:00

XS
SM
MD
LG