ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሩስያ ንናይ ይሖዋ መሰኻኽር 'ንምእጋድ' ዝቀረበ ክሲ ይስማዕ ኣሎ


ካብ ጽሑፋት መሰኻኽር ይሖዋ
ካብ ጽሑፋት መሰኻኽር ይሖዋ

ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ነቲ ሩስያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ጽንፈኛታት’ ኢላ ንምእጋድ ትገብሮ ዘላ ተበግሶ ነቒፎም።

'መሰኻኽር ይሆዋ ኣብ ሩስያ ‘ጽንፈኛታት’ ስለዝኾኑ ሙሉእ ንብረቶም ንክውረስ፣ ኩለን 395 ጉባኤታቶም ንክዕጾን’ ሓቲቱ’ሎ ሚኒስትር ፍትሒ’ታ ሃገር።

ትማሊ ረቡዕ ንመስርሕ ሙግት ዝጀመረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩስያ ነቲ ከይዲ ሙግት ሎሚ ሓሙስ’ውን ቀጺሉሉ’ሎ።

ኣባል ላዕለዋይ ኣማሓዳሪ ኣካል መሰኻኽር ይሆዋ ማርክ ሳንደርሰን ኣብ ሞስኮ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ‘እቲ ቤት ፍርዲ ብጨንፈር ቤት ጽሕፈት መሰኻኽር ይሆዋ ንዝቀረቡ መርተዖታት ዘይምቕባሉ ዘሻቅል’ዩ’ ምባሉ ካብ መርበብ ሓበሬታ JW.org ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ብወገኖም ‘እቲ ሕቶ ህላዌ መሰኻኽር ይሆዋ ኣብ ሩስያ ጥራሕ ኣይኮነን፣ እንታይ ዳኣ፣ ምኽባር መሰረታዊ ሃይማኖታዊ ነጻነት ኣብ መላእ ሩስያ’ምበር’ ኢሎም።

ክሪስ ስሚዝ ወሲኾም ‘ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩስያ ንናይ ይሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሩስያ ‘ጽንፈኛታት’ እንተይልዎም፣ ንኩሎም ሃይማኖታት ዘፍርሕ ምልክት’ዩ፣ ንኩሎም ሩስያዊያን ድማ መዋእል ጸልማትን ጓሂን ኮይኑ ኣሎ ማለት’ዩ’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:05 0:00

XS
SM
MD
LG