ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ዛኑ ፒ ኤፍ እንተዘይሓቲቱ ካብ ስልጣን ኣይክወርድን'የ"  ፕረዚደንት ሙጋበ 


ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ: እቲ ዝመርሕዎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ እንተዘይሓቲትዎም ካብ ስልጣን ከምዘይእለዩ ኣፍሊጦም።

92 ዝዕድመኦም ፕረዚደንት ሙጋበ ነዚ ዘፍለጡ ትማሊ ረቡዕ 27 ሓምለ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራረ ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቶም ኣባላት ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍን ገዳይም ተጋደልቲ ሓርነት ዚምባብወን ኣብ ዘስምዕዎ መደረዮም ነዚ ገሊጾም።

ዝሓለፈ ሰሙን ገዳይም ተጋደልቲ ሓርነት ዚምባብወ ንፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ዝቃወም ሓባራዊ መግለጺ ብምውጻእን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያድን ብመሪሕነቶም ዕጉባት ዘይምህላዎም ገሊጾም ነይሮም።

ኣብቲ መግለጺኦም ንሕማቕ ምሕደራ ቁጠባ እታ ሃገርን ትሕቲ ብቕዓት መሪሕነቶምን ኣልዒሎም ብምንቃፍ፤ ንፕረዚደንት ሙጋበ ካብ መዝነቶም ክእለዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብቲ ትማሊ ዘቕረብዎ መደረኦም: "ህዝበይ ንብዙሕ ግዜ ይደልዩኒ እዮም" ክብሉ ኣፍሊጦም። ንሶም ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤምባሲታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዚምባብወ ሰላሕታዊ ምትእትታው የካይዳ ምህላወን ብምጥቃስ: ካብ ከምኡ ዝበለ ተግባራት ክቑጠባ ኣዘኻኺሮም።

"ስርዓት ንምቕያር ካብ ነዊሕ ንዝሰርሑ ዘለው ጸላእትና ከመይ ገይርና ንስዕሮም ንፈልጥ ኢና። ብብርቱዕ ቃልሲ ንዝዓቀብናዮ ናጽነትና ከመይ ጌርና ንከላኸሎን ንዕቅቦን ንፈልጥ ኢና" ድማ ኢሎም ፕረዚደንት ሙጋበ።

" ዛኑ ፒ ኤፍ እንተዘይሓቲቱ ካብ ስልጣን ኣይክወርድን'የ" ፕረዚደንት ሙጋበ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:38 0:00

XS
SM
MD
LG