ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብዚ ዓመት ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜድትራኒያን ሞይቶም " ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት


እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ 2016 ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ካብ ዝጅመር ብባሕሪ ሜድትራኒያን ክሰግሩ ክብሉ በዝሒ ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ኣስታት 3,000 ምብፅሑ ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት/IOM/ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

IOM ኣብዚ ዓመት ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ዝሞቱ ናይ 2,977 ሰባት መዝጊቡ’ሎ።እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ቀረባ ካብ ዝጠለቐት ጀልባ ኣብ ካላብሪያ ክበፅሕ ትፅቢት ዝገበረሎም እንተወሓደ ልዕሊ ደርዘን ኣይሓውስን ይብል እቲ ትካል።

ትማሊ ሓሙስ ዝኣተው ልዕሊ 800 ስደተኛታት በዝሒ ኣብ 2016 ናብ ኣውሮፓ ኣትዮም ተባሂሎም ዝግመቱ ናብ 242 ሽሕን 179 ከደይቦ እዩ ከም ፀብፃብ IOM።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ 22 ሓምለ 1,906 ስደተኛታት ምማቶም እዩ ተመዝጊቡ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG