ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ስደትን፡ ቃለ መጠይቕ ምስ መንእሰይ ያእቆብ ተኪኤ


መንእሰይ ያእቆብ ተኪኤ ኣብ ዋዕላ ዩኒቨርሲቲ ተናሲ
መንእሰይ ያእቆብ ተኪኤ ኣብ ዋዕላ ዩኒቨርሲቲ ተናሲ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ሃገራት ኣውሮጳን ምዕራብን ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክወስዳ ይረኣያ። ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ንሕይወት አድሕን ስርሒታት ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከሰልጥን፡ ሃገራት ኣውሮጳ ምክትታል ዶባት ከሓይላ፡ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ቀረባ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ትራምፕ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ንምጉዳልን ናብ ኣሜሪካ ዝአትው ስደተኛታት ንምንካይን ሓድሽ ናይ መገሻ እገዳ ኣሕሊፎም’ዮም።

ነዚ ሓድሽ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኣሜሪካ ዝርኸብ ዩኒቨርሲቲ ተናሲ ኣብ ክፍሊ ስነ ጥንቲ ንኡስ ክፍሊ ንስደተኛታት፡ምዝንባልን ምጥያስን ኣብ የካቲት 24,2017 ዓ.ም ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ አኻይዱ ኔሩ።

መንእሰይ ያቆብ ተኪኤ ኣብ ዋዕላ ዩኒቨርሲቲ ተናሲ
መንእሰይ ያቆብ ተኪኤ ኣብ ዋዕላ ዩኒቨርሲቲ ተናሲ

ኣብዚ ዋዕላ ንዝተፈላለዩ ምስ ስደት ዝዛመዱ ጉዳያት ብምልዓል መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም ኔሮም።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝቐረቡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ስነ ኣእምሮኣዊ ጽልዋ እዚ ውሳኔ መገሻ እገዳ ኣብ ስደተኛታት ብሓፈሻ ድማ ስነ ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ስደት ብዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረበን ንማዕረግ ዶክትሬት ኣብዚ ጉዳይ ዝሰርሕ ዘሎ መንእሰይ ያእቆብ ተኪኤ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ስደትን፡ ቃለ መጠይቕ ምስ መንእሰይ ያቆብ ተኪኤ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:51 0:00

XS
SM
MD
LG