ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምስ ኤርትራ ዘለና ርክብ ንምውሳን ዘኽእል መፅናዕቲ ተኻይዱ ኣሎ' ቀ/ሚ ኢትዮጵያ


ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ

‘ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዝተኸተለቶ ፖሊሲ ዳግም ገምጊማ ከምዝዛዘመትን ኣብ’ዚ ቀረባ ሓድሽ ፖሊሲ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ከምዝግበርን’ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ "ፓርክ ኢንዳስትሪ መወሃሃዲ ምህርቲ ሕርሻ" ሰረት እምኒ ኣብ ዘንበረሉን
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ "ፓርክ ኢንዳስትሪ መወሃሃዲ ምህርቲ ሕርሻ" ሰረት እምኒ ኣብ ዘንበረሉን

እቶም ቀ/ሚ ‘ሃገሮም ነቲ ደውታ ንምፍታሕ ባዓል 5 ነጥቢታት እማመ ሰላም ሓንጺጻ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ከምዘቅረበት። ከምኡውን ተመጣጣኒ መልሰ ግብሪ ኣብ ምሃብ ከምዝጸንሐትን’ ጠቂሶም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ይብሉ እቶም ቀ/ሚ፣ እቲ መፅናዕቲ ብዕምቈት ምስተዘተየሉብደረጃ ፖሊሲ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበር እዩ’ ኢሎም። ጽጹይ ሓበሬታ ግና ኣይወሰኹን።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝተዛረቡ ለካቲት 14 ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንዝህነፅ "ፓርክ ኢንዳስትሪ መወሃሃዲ ምህርቲ ሕርሻ" ሰረት እምኒ ኣብ ዘንበረሉን፤ ምስ ህዝቢ ሑመራ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ እዩ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

'ምስ ኤርትራ ዘለና ርክብ ንምውሳን ዘኽእል መፅናዕቲ ተኻይዱ ኣሎ' ቀ/ሚ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:45 0:00

XS
SM
MD
LG